ድለ

Border fence between Gaza Strip and Egypt in Rafah Border fence between Gaza Strip and Egypt in Rafah  (ANSA)

እስራኤል ኣብ ዶብ ቃዛን ግብጽን ሰራዊት ክትዓርድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዶብ ቃዛን ግብጽን ከም ዚጸንሑ ገሊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ንወተሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ካብ ዶብ ቃዛ-ግብጺ ኸም ዘየልግስ ኣመልኪቱ።

ናታንያሁ ሓደ ኽፋል ናይቲ ምስ ሃማስ እተገብረ ውዕል ምቍራጽ ተኹሲ፣ ንወተሃደራቱ ካብ ዶብ ቃዛን ግብጽን ኬውጽኦም ከም እተሰማምዐ ኸሓደ። ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን እዚ "ጌጋ" ኢዩ ክብል ከም ዝገለጸን፣ እስራኤል ነቲ ኸባቢ ምቍጽጻር ክትሓድጎ ኸም ዘይተሰማምዐትን ድማ ኣጕልሐ።

እቲ ዋሽንግተን ዝድግፎ ናይ ሰላም እማመ ወተሃደራት እስራኤል ካብቲ ኣብ መንጎ ጋዛን ግብጽን ዝርከብ ኣገዳሲ ዶብ ዝዀነ ኮሪደር ፊላደልፍያ ምውጻእ ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ።

ናታንያሁ ነቲ ውዕል ደው ንምባል ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጆ ቢደን ተዘራሪቡ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ግን ብዝርዝር ኣይተገልጸን ዝነብረ ።

ኣብ ካልእ ቦታ ኸኣ ዮኣቭ ጋላንት ሚኒስተር ጸጥታ እስራኤል ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ክፍሊ ራፋ ሃማስ ከም እተሳዕረን፣ እቶም ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ምስ ህዝቡላ ዝግበር ውግእ ከም ዘተኰሩን ኣመልከተ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ ናይ እስራኤል ነፈርቲ ኣብ ሊባኖስ ምስ ደብደባ ህዝቡላ ኣብቲ ተታሒዙ ዝነበረ ጎላን ሀይትስ ብዓሰርተታት ዝቝጸር ሮኬት ደብዳብ ኣካዪዱ ። ሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ሓደ ሰብ ከም እተቐትለን 30 ዝኾኑ ድማ ከም ዝቘሰሉ ይገልጹ።

24 August 2024, 09:23