ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ውዕላት ቃዛ ኺዓቢ ትጽቢት ትገብረሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ወላ እኳ ጕጅለ ሃማስ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙስ እቲ ብማእከልነት ዝተጸውዐ ኣኼባ ኽሳተፍ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ኣብ ጥርጣረ እንተ ኣእተዎ፣ እቲ ተዅሲ ናይ ምቍራስ ውዕል ክግበር ከም ዝከኣል ክፍሊ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ሃማስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ፍልስጥኤም ዝሓለፈ ሰንበት ነቶም ብመንጐይናነት ኣብቲ ብዛዕባ ቃዛ ዝካየድ ተኹሲ ንምቁራስ ዚግበር ሓድሽ ውዕላት ኣብ ክንዲ ዚሳተፉ ኣብቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ዝርርባት ተመርኲሶም መደብ ኬቕርቡ ሓቲቶም ኣለዉ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ጋዛ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ለበዳ ሕማም ፖልዮ መጠንቀቕታታት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳርጋ 60,000 ዝዀኑ ቃዛውያን ነቲ እስራኤላውያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክግዕዙ ዝኣዘዝዎ ናይ ቀረባ ግዜ ኣዋጅ ብምስዓብ ናብ ምዕራባዊ ካን ዮኒስ ገጾም ይግዕዙ ኣለዉ።
ብዙሓት ትካላት ረድኤት እንተላይ ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያን ኣብቲ ከባቢ ጥሜት ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎን ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኸም ዝዓነወን ይገልጹ ኣለዉ።
እቲ ዝገደደ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቃዛ ሓደ ለበዳዊ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ቫይረስ ፖልዮ ኸጋጥም ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ጐሓፍ እተረኽበ ኣሰር እቲ ቫይረስ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ እዩ ዚእመን።
ብሰንኪ ስእነት ጽሩይ ማይን፣ ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ ዚኸደሉ ትቦታትን ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኣዝዩ ዝደኸመ ሥርዓተ ክንክን ጥዕና ከቢድ ጸገማት ስለ ዘሎ እዚ ሕማም እዚ ናብ ለበዳዊ ሓደጋ ክምዕብል ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብ መዕቆቢታት ህጹጽ ረድኤት ብኣማኢት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደ ዓይኒ ምድሪ ኢዮም ዝጥቀሙ ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣብ መዓልቲ ኻብ ክልተ ሊትሮ ዚውሕድ ዝስተ ማይ ኢዮም ዝረኽቡ ዘለዉ ።