ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሓን ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሓን ሰባት ተቐቲሎም  (AFP or licensors)

ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሓን ሰባት ተቐቲሎም

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ብውሕዱ 10 ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ጸብጻብ ዋፋ እተሰምየ ማዕከን ዜና ፍልስጤም፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝፍጸመኦ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ህጻናትን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሑዱ ዓሰረተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ሓያሎ ሰባት ድማ ሃለዋቶም ገና ከም ዘይተረኽበ ክፍለጥ እንከሎ፥

ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ንኽልቀቑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ናብ ስድራ ቤቶም ክምለሱ ዝብል ተስፋ ኣብ እስራሄል ይቕህም ከም ዘሎን፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ሬሳታት ሽዱሽተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ድሕሪ ምርኻቡ፡ ኣብ መላእ እስራኤል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ክልቐቑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ክንገር እንከሎ፥ ሰበስልጣን ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 41 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።

መጥቓዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ብፍሉይ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ሚሳይል ዝስረሓሉ ኑቕጣ ሂዝቦላህ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸሙን ናይ ሶሪያ ናይ መንግስቲ ረዲዮ – ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ካብ ዶብ ሊባኖስ ኣስታት 25 ማይልስ ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ ማስያፍ ፍልዩ ሓይልታት እስራኤል ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ የመላኽት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ እስራኤል ወተሃደራዊ ጎስጓሳ ናብ ሊባኖስ ገጻ ከም እተሰጋግሮ የረጋግጹ፡ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቓዕትን ሂዝቦላሕ ናብ እስራኤል ብዝፍንዎ ተወንጫፊ ሮኬታት እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ስዒቡ እስራኤል ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ሊባኖስ ገጹ ከበድቲ መዳፍዕ ብምትኳስ መልሲ ምሃብ ከም ዝጀመረት እውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብርቱዕ ስክፍታ የሕድር ምህላዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

16 September 2024, 15:55