ሊባኖስ፡ ሂዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ዓሚቝ መጥቃዕቲ ሊባኖስ፡ ሂዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ዓሚቝ መጥቃዕቲ  (AFP or licensors)

ሊባኖስ፡ ሂዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ዓሚቝ መጥቃዕቲ

7 ካብ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝሞቱን ቁጽሪ ናይቲ ዕለት 20 መስከረም ኣብ ልዕሊ ቤሩት ኣዘዝቲ ሂዝቦላህ ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ ብዝሒ ዝተቐትሉ ናብ 45 ክብ ከም ዝበለን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እስላማዊ "ውድብ ኣምላኽ"፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ተልኣቪቭ ብዝፈጸሞ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ: መዓስከራት ኣየርን ወተሃደራዊ ቦታታትን ከም ዝወቐዓን እዚ ግጭት ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ከቢድ ዕንወት ዝድርኽ ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሂዝቦላህ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብተደጋጋሚ ብእስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ተደጋጋሚ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሰራዊት ተልኣቪቭ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዕለት 22 መስከረም ንግሆ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ቅድሚ ሰዓት 5 ካብ ሊባኖስ ልዕሊ 290 ሮኬታት ከምዝተወንጨፋ፡ ብዙሓት ድማ ዒላማ ቅድሚ ምውቃዑ ከም ዘፍሸለን፡ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ነቲ ብሰንኪ ተወንጫፊ ዘጋጠመ ባርዕ ንምጥፋእ ከም እተዋፈረ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝተራእየ እቲ ዝኸበደ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ሓይልታት እስራኤል ዕለት 21 መስከረም ንደቡባዊ ቤሩት ከም ዘጥቀዓን . . . ሂዝቦላህ፡ መደበራት ኣየርን ኢንዱስትሪታትን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከም ዘጥቀዐን እዚ ድማ ነቲ "ንዝተፈላለየ ዞባታት ሊባኖስ ዝሃረመን ሞት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዘስዓበን ንተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እስራኤል መልሲ እዩ” ዝብል መግለጺ ከም ዝሃበ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሊባኖስ፣ ዓርቢ ዕለት 20 መስከረም ኣብ ልዕሊ ቤሩት እስራኤል ዘካየደቶ ዘመተ፣ ሓያሎ ኣዘዝትን ተዋጋእትን ሂዝቦላህ ክም ዝተቐትሉን በቲ መጥቓዕቲ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ድማ ናብ 45 ከም ዝደየበ ይሕብር።

ኣብ ጋዛ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል 7 ተወሰኽቲ ግዳያት

ድሒሩ፡ ሰራዊት እስራኤል ሂዝቦላሕ ንዝፈጸመ መጥቃዕቲ መልሲ ከም ዝሃበን ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ቦታታት ሂዝቦላህ ከም ዝወቐዓን ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ድማ ናብ እስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ተሓታትቲ ምዃኖም ከም ዝገለጹን፡ በዚ ምኽንያት ድማ በርገሳዊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ከም ዝኣዘዘን . . . ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ እስራኤል ዕለት 22 መስከረም ንግሆ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 7 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን፡ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም (PRCS) ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ካብ ራፋሕ ንምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣል-  ኣታቲራ ሬሳታት ኣርባዕተ ግዳያት ከምዝረኸበን ኣብ ምብራቕ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኲዛኣ ድሕሪ ዝተፈጸመ ደብዳብ መዳፍዕ ብተወሳኺ ክልተ ፍልስጥኤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልእ ፍልስጤማዊ ድማ ካብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ምዕራብ መዓስከር ስደተይናታት ኑሰይራት ከም ዝተቐትለን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣተሓባባሪ ሕቡራት ሃገራት ንሊባኖስ፡ ሓደጋ ቀረባ ዕንወት

ፍሉይ ኣተሓባባሪት ሕቡራት ሃገራት ንሊባኖስ ጂኒን ሄኒስ - ፕላሻርት ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ዕንወት ከስዕብ ዘኽእል ሃዋሁ ዝቐረበ ይመስል፥ “ንኽልቲኡ ወገን ውሑስ ዝገብር ወተሃደራዊ ፍታሕ የለን” እንክብሉ ኣብ ኤክስ  ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ መልእኽቲ ከም ዝፈነወን ርእሰ ብሔር ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ድማ፡ ኣብ መበል 79 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኒውዮርክ ቅድሚ ምብጋሱ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መጥቃዕቲ እስራኤል ዘለዎ ኣረኣእያ ብምንቃፍ፡ ሓላፍነቱ ብትኽክል እንተዝፍጽም እስራኤልም ትገብሮ ዘላ ኣይምገብረትን፡ ዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ንኻልኦት ግዝኣታት ብቦምባ ምድብዳብ፡ ሰላማውያን ዜጋታት ምቕታልን ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ዒላማ ብምግባር ኣባይቲ ምዕናው ኣመይተራእየን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2024, 16:58