ሰብኣዊ ኩነታት ሃይቲ "ተስፋ ዝቖረጸ'ዩ" ሰብኣዊ ኩነታት ሃይቲ "ተስፋ ዝቖረጸ'ዩ" 

ሰብኣዊ ኩነታት ሃይቲ "ተስፋ ዝቖረጸ'ዩ"

ብመሰረት ሊቀ ጳጳሳት ካፕ - ሃይቲን ሎናይ ሳተርነ፥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ሓይልታት ጸጥታ ወጻኢ ናብ ሃይቲ ምእታዎም ንጸጥታን ድሕንነንት ዘመሓይሾ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይም ምህላዉ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዘሕዝን ቍጽሪ ሞት ስቓይ ዕንወት ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ስነ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ኣብ ዘለዎ ጉዳያት ጥራሕ እተተኩር ከም ዝኾነት ገሊጾም፥ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዝረአ ብሰንኪ ዓመጽን ዕጡቕ ግጭትን ከቢድ ግብረ - ሰናይ ቅልውላው ብዙሕ ግምት ኣይትህበሉን፡ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፥ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ዝኾነት ሃይቲ ከቢድ ቅልውላው ጸጥታ ትጻወር ኣላ፡ 5.4 ሚልዮን ውልቀሰባት መዓልታዊ ንነብሶምን ንስድራ ቤቶምን ዝኸውን መግቢ ንምርካብ ይቃለሱ። እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዓለም ለኻ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘጉልሖን፡ ብደረጃ ዓለም ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ዘጋጥሞም ካብ ዘለዉ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ምዃኑ ድማ የመላኽቱ።

ቀጻሊ ዓመጽ ጕጅለታት

እታ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ገና ዘይሓወየት ሓውሲ ደሴታዊት ሃገር ካሪብያን፡ ንዓመታት ምስ ዓመጽ ጕጅለታትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ትቃለስ ከም ዘላን፡ ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ኣብ 2021 ዓ.ም. እቲ ዓመጽ ኣዚዩ እናገደደ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ዋላ’ኳ ካብ ኬንያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ሓይልታት ጸጥታ እንተመጹ፡  ዋላ’ኳ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ህላወ ናይቲ ብኬንያ ዝምራሕ ተልእኾ ብዙሕ ሃገራት ዝድግፍ ጸጥታ ኣብ ሃይቲ እንተሃለወ እቲ ኩነታት ጸጥታ ከምዘይተመሓየሸ ናይ ካፕ - ሃይቲን ሊቀ ጳጳሳት ላውናይ ሳተርነ ኣረጋጊጾም።

ቀዳም ዕለት 5 ጥቅምቲ ኣብ ዝተዋህበ ዕለታዊ መብርሂ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሲኖዶስ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክብሪ ሰብኣዊ ምኽባር “ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ . . .  እቶም ስርዓትን ሰላምን ከምጽኡ ዝግበኦም ክሳብ ሕጂ ስልጣኖም ዘይዋጽኡ ኮይኖም ኣለዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ፖንት-ሶንደ ዝተፈጸመ ቅትለት

ሊቀ ጳጳሳ ሃይቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ኣርቲቦናይት ኣብ እትርከብ ገጠር ከተማ ፖንት - ሶንደ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተፈጸመ ቅትለት ብውሑዱ ሞት 70 ሰባት ከም ዘስዓበን፣ ብዙሓት ኣባይቲ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለን ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ክሃድሙ ከም እተገዱን ኣዘኻኺሮም፡ እቶም ጕጅለታት እቲ ዓመጽ ክፍጽሙ ምዃኖም ኣፍሊጦም እኳ እንተነበሩ፡ ንዕኡ ንምክልኻል ዝተገብረ ነገር ከምዘየለ እውን ገሊጾም፥ . . . ኣስዒቦም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ንርከብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ተስፋ ምቑራጽ

እቶም ሊቀ ጳጳሳት ብዓይኒ ቁጠባ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ርክብ ክህሉ ዝኽእል ዕድል ከይህሉ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ተቖሪጻ ከም ዘላን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ምዕባለ ከምዘይተራእየ ኣረዲኦም።

ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ዓመጽ ጉጅለታት ተመዛቢሎም

ብመሰረት ዕለት 2 ጥቅምቲ ብኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት (IOM) ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብኦም ህጻናት ዝኾኑ፡ ኣብ ሃይቲ ተመዛቢሎም ኣለዉ። “እቲ ብርቱዕ ወሰኽ ተመዛበልቲ፡ ቀጻሊ ህጹጽ ሰብኣዊ ምላሽ ከምዘድሊ ዘጉልሕ’ዩ” እንክብል ዝሃበረ ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ተኸታታሊ ጉዳይ ስደተይናታት ኣብ ሃይቲ ግሬጎር ጉድስታይን፥ “እዞም ናይ መወዳእታ ኣሃዛት ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ቁጽሪ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ብ22 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊጹ፡ እዚ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጕልሕ እዩ” ከም ዝበለን፥ ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል፡ መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ ሃይቲ፡ ማለት ኣስታት 75%፡ ሕጂ ኣብ ዞባታት እታ ሃገር ዝተኣንገዱ ኮይኖም፡ ዞባ ግራንድ ሱድ ጥራይ 45% ኣአንጊዱ ኣሎ። ርእሰ ከተማ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ፡ እቲ ኩነታት ዘይተረጋገጸን ዘይግመትን ኮይኑ፡ ርብዒ ካብቶም ተመዛበልቲ እታ ሃገር እተአንግድ ኮይና ኣላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ቦታታት ዝነብሩ ኮይኖም፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ውሑድ ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ዘይረኽቡ እዮም። መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ ኣብ ኣባይቲ ስድራ እዮም ዝእንገዱ። ኣብ ልዕሊ ጸጋታት ዝግበር ጸቕጢ ኣዝዩ ዓቢ ኮይኑ፡ መብዛሕትአን ኣአንገድቲ ኣባይቲ ስድራ ሕጽረት መግቢ፡ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነት ትሕተ ቅርጺ ክንክን ጥዕናን ሕጽረት ኣገደስቲ ኣቑሑትን ኣብ ዕዳጋታት ውሽጢ ዓዲ ሓዊሱ ርኡይ ጸገማት ከምዘጋጠመን ይሕብራ።

ብፍላይ ኣብተን ዞባታት ዝርከቡ ትሕተ ቅርጽን ኣገልግሎታትን ከባቢታት እውን ኣብ ጸቕጢ ይርከቡ፣ ውሕስነት መግቢ፣ እኹል ኣባይቲ፣ ከምኡ’ውን ተበጻሕነት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ካብቶም ኣዝዮም ህጹጽ ድሌታት እዮም። እቲ ትካል "ምስ መንግስቲ ሃይቲን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ብምዃን ኣገዳሲ ሓገዝ ንምሃብን ንዝተመዛበሉ ነዊሕ ዝጥምት ፍታሕ ንምርካብን" ዝብል ዕማም ከምዘለዎ ደጊሙ ይገልጽ።

ጃምላዊ ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ሃይቲ ካብ tthe ዶሚኒካን ሪፓብሊክ

ብዙሓት ዜጋታት ሃይቲ እውን ናብ ጎረቤት ሃገር ዶሚኒካን ረፓብሊክ ወይ ካብኡ ርሒቑ ናብ ኣሜሪካ ይሃድሙ ከም ዘለዉን፥ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግን መንግስቲ ዶሚኒካን ረፓብሊክ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኣሽሓት ሃይታውያን ንምስጓግ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ንሃይቲ ምርግጋእ ንምምላስ ዝገበሮ ምዝሕታል ዘስዕቦ ዘሎ ውሳነ ምዃኑ ከም ዝፍለጠ ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

12 October 2024, 17:29