ስደተይናታት ዝጸዓነት ፈላመይቲ መርከብ ኢጣልያ ናብ ኣልባንያ ተበጊሳ ስደተይናታት ዝጸዓነት ፈላመይቲ መርከብ ኢጣልያ ናብ ኣልባንያ ተበጊሳ  (ANSA)

ስደተይናታት ዝጸዓነት ፈላመይቲ መርከብ ኢጣልያ ናብ ኣልባንያ ተበጊሳ

ሊብራ እተሰምየት ናይ ኢጣሊያ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ብስምምዕ ኢጣሊያን ኣልባኒያን መሰረት ላምፐዱሳ ዝኣተዉ ስደተይናታት ኣሳፊራ ናብተን ኣብ ኣልባንያ ዝተመስረታ ማእከላት መለለዪን ሕቶ ዑቕባ ስደተይናታትን ዝምርመረሉ ንምብጻሕ ዕለት 15 ጥቅምቲ ከም ዝነቐለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመንግስቲ ኢጣሊያን ኣልባኒያን ኣብ ዛዕባ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት 16 ስደተይናታት ዝጸዓነት ናይ ኢጣሊያ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ “ሊብራ” ሎሚ ዕለት 15 ጥቅምቲ ካብ ላምፐዱዛ ናብ ኣልቢያ ከም እተጓዕዘትን እቶም ዑቕባ ሓተቲቲ ሮቡዕ ዕለት 16 ኣብ ኣልባኒያ ናብ ዝርከብ ናይ መለለይን ሕቶ ዑቕባ ዝምርመረሉ ማእከል ስደተይናታት ክኣትው ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚኦም ኣብ ኣህጉራዊ ባሕሪ መዲትራኒያን ማያት ሳር ዝደሓኑ ስደተይናታት ግብጻውያንን ባንግላዳውያንን ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ በቲ ስምምዕ ባልካን መሰረት ድማ እቶም ስደተይናታት ዘቕርብዎ ሕቶ ዑቕባን መንነት ናይ ምልላይን መስርሕ ናብ ዝግበረሉ ኣብ ኣልባኒያ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝለኣኹ ቀዳማይ ጉጅለ ስደተይናታት ከም ዝኾኑ፥ በቲ ስምምዕ መሰረት እውን ናብቲ ማእከል ዝለኣኹ ስደተይናታት ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ ከም ዘለዎምን ተቓላዕቲ ክኾኑ ከም ዘይግባእን ማለት ትሕቲ ዕድመ፡ ወይ ውን መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፡ ኣረጋውያን ወይ ስንኩላን ክኾኑ ከም ዘይብሎምን እቶም ስደተይናታት ናብቲ ናብ ኣልባንያ ብፍሉይ ዝተዳለወ ኣብ ሸንግጂንን ግጃደርን ናብ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ክውሰዱ እዮም። እቶም ኣብዞም መሓውራት ዝእንገዱ ስደተይናታት ብዘይ ፍቓድ ካብቲ ማእከል ስደተይናታት ክወጹ ከም ዘይክእሉን ድሕሪ ዘቕርብዎ ሕቶ ጉዳዮም ተመርሚሩ ዝንጸጉ ስደተይናታት በቲ ስምምዕ መሰረት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኾኑ ነቲ ስምምዕ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ፖለቲካዊ ግብረ መልሲ

እቲ ስምምዕ ካብ ብዙሓት ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣሉታዊ ገምጋም ይወሃቦ ከም ዘሎን ዕለት 14 ጥቅምቲ  እውን ሓደጋ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥም ከም ዝኽእልን ብተመሳሳሊ መስመር፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት እውን እቲ መንግስቲ ዘካየዶ ስምምዕን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትን ብኽነት ገንዘብ ህዝቢ እንክብሉ ነቲ መደብ ምግዓዝ ስደተይናታት ናብ ኣልባይኒ ዘይቅቡል እንክብሉ ነቔፈታ ከስምዑ እንከለዉ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ “ካብቲ ኣብ መንጎ ኢጣሊያን ኣልባኒያን ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ምምሕዳር ዑቕባ ሓትቲ ስደተይናታት ተግባራዊ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 October 2024, 16:16