ድለ

ሱዳን ገና ኣብ ኲናት ሱዳን ገና ኣብ ኲናት  (AFP or licensors)

ሱዳን ገና ኣብ ኲናት

ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ውግእ ገና ይቕጽል ከምዘሎን ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ካብ ቦቶኦም ንምስጓግ ብርቱዕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ግዳያት መብዛሕቲኦም ሰላማውያን ሰባት ከምዝኾኑን ሰንበት ዕለት 13 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ካርቱም ዝርከብ ዕዳጋ ዝተተኮሱ ቦምባታት ዝተቐትሉን ዝተሃሰዩን ኩሎም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ብውሕዱ 23 ሰባት ከም እተቐትሉን ልዕሊ 40 ድማ ከም ኣትሃሰዩን፡ እቲ ህልቂት፡ ነፈርቲ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብ ገለ ቦታታት ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ዕርድታት ሓይልታት RSF - ዕጡቓት ቅልጡፍ ደገፍ ንምውቃዕ ዘዝንብኦ ቦምባታት ዘስዓቦ ከም ዝኾነን ክግለጽ እንከሎ፥ ሰራዊት ሱዳን ነዞም ቦታታት ንምውራር ኣሚቱ ዝገብሮ ዘሎ ስርሒት ከቢድ ምዃኑ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብሱዳን ትሪቡን ዘተሓትሙ ስእልታት ዕጥቃዊ መካይን ናይቲ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ዘረጋግጾ ኮይኑ፡ ገስጋስ ስሩዓት ወተሃደራት ሱዳን ንካርቱም ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ዝኽተሎ ዘሎ ስርሒት ንምፍሻል ዝጥቀመሉ ከም ዝኾነን ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታት ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ ንሱዳን ዘናውጽ ዘሎ ብዙሕ ዘይንገረሉን ዝተረስዐን ኲናት ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ከም ዘይኮነን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም እብቲ ውግእ ሓድሕድ ዝሳተፉ ዘለዎ ሓደ እምነት ዘለዎም ማለት ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከም ዝኾኑን፣ እንተኾነ ግን ውሑዳት ክርስትያን ዘሳተፈ ፍጻመታት እውን ምህላዉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ ኣስዒቡ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ዘጋጠመ፡ ሓደ ጉጅለ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዝኾኑ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ካርቱም ብኣባላት ወተሃደራዊ ስለያ ኣገልግሎት ስሩዕ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ከም ተተሓዙን መርበ ሓበሬታ ኣልታግየር ኣብ ሱዳን ኣቦ መንበር ማሕበር መንሰያት ክርስቲያን ኦሳማ ስዒድ ሙሳ ኮውዲ ጠቒሱ፥ እቶም ተታሒዞም ዝበሃሉ ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብ 2 ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተታሕዙ ኮይኖም ንሳቶም እውን 16 ደቂ ተባዕትዮ፡ 25 ደቂ ኣንስትዮን 54 ህጻናትን ከም ዝኾኑን ኩሎም መበቆሎም ካብ ኣኽራናት ኑባ ከም ዝኾኑን ናብ ካልእ ቦታ ናይ ምውጻእ ተኽእሎ ስለ ዘይነበሮም፡ እቲ ዝነበሩሉ ቦታ ብስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ዝተታሕዘ ከባቢታት ካርቱም ብምዃኑን ብሰራዊት ሱዳን ደገፍቲ ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታት ተባሂሎም ዝተኸሱ ምዃኖም ይሕብር።

16 October 2024, 15:55