ድለ

ስሉሳዊ ስምምዕ ኤርትራ፡ ሶማልያን ምስርን ስሉሳዊ ስምምዕ ኤርትራ፡ ሶማልያን ምስርን  (AFP or licensors)

ስሉሳዊ ስምምዕ ኤርትራ፡ ሶማልያን ምስርን

ሓባራዊ ስሉሳዊ ሽማግለ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ምስርን ሶማልያን ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስነ መላዊ ምትሕብባር ከም ዝገበሩን እዚ ድማ ኣርእስተ ብሔራት ሰለስቲአን ሃገራት ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ርእሰ ብሔር ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ግብጻዊ መዘንኡ ዓብደል ፋታሕ ኤል - ሲሲን ሶማላዊ መዘንኡ ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ኣብ ኣስመራ ተቐቢሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ዘተ ዝተበጽሐ ምዃኑ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት፡ መሰረታዊ መትከላትን ኣዕኑድን ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብፍላይ ድማ ልዑላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት እቲ ዞባ ዝለዓለ ምኽባር ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ንምፍታሕ ዓቕሚ መንግስታዊ ትካላት ሶማልያ ንምዕባይን ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ብኹሉ መልክዑ ግብረሽበራ ክገጥምን ግዝኣታውን ዶባት ባሕርን ክሕሉ ምእንቲ፡ ምትሕብባርን ምውህሃድን ንምምዕባልን ንምዕማቝን ስምምዕ ከም እተገብረን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ዝተገንጸለት ዞባ ሶማሊላንድ ዕለት 1 ጥሪ ናይዚ ዓመት ስምምዕ ከም ዝኸተመት ዘዘኻኸረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፥ ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ ሶማሊላንድ ካብ ካልእ ክፋል ሶማልያ ዝተፈልየት ርእሰ - ምምሕዳር ዘለዋ ሃገር ምዃና ብወገን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዝህብ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ንናጽነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝሃበት ሃገር ከም ዘየላ ክንገር እንከሎ ሞቃድሾ ነዚ ስምምዕ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ምስ ቱርኪ ዝምድና ብምጥንኻር (ፊደስ 22/2/2024 ርአ) ከምኡ’ውን ምስ ምስሪ (30/8/2024 ርአ) ስነ መላዊ ሽርክነት ብምጅማር፡ ሕጂ ናብ ኤርትራ ከም ዝተዘርገሐን፥ ኣብ ጎኒ’ቲ ኣኼባ ኣርእስተ ብሔር ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ንሓድነት፡ ናጽነት፡ ቅንዕናን ልኡላውነትን ሶማልያ ኣብ መላእ ግዝኣታ ንምድጋፍ ዘድሊ ሓገዝ ከቕርቡ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደ ወገን ስጉምትታት ድማ ከም ዝነጽጉን ኣመላኺቶም ዝበለ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝተጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ኩነታት፡ ዋዕላ ኣስመራ፡ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ቅልውላውን ዞባዊ ሳዕቤናቱን ዝምልከት ጉዳያት፤ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ባብ ኣል -ማንዳብን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ናይ ምውህሃድ ኣገባባት ምቛም ዝብል ስምምዕ ከም እተገብረን ኵሉ እቲ ንሰለስተ መንግስትታት ዚምልከት ወሳኒ ጕዳያት ልዕሊ ዅሉ ግን ምስሪ በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ምንጪ ኣገዳሲ ኣታዊ ዝዀነ መትረብ ስወዝ ኽትከላኸለሉ ዘለዋ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ሰማያዊ ኒል (ዓብዪ ግድብ ተሃድሶ ኢትዮጵያ) ኣቢሉ ዚውሕዝ ማያት ኒል ንኸይትቈጻጸሮ ይዓግታ።

በዚ ምኽንያት ካይሮ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እውን ንጡፍቲ ኮይና ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (SAF) ኣንጻር ቅልጡፍ ደገፍ ሓይሊ (RSF) መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመቲ) ከም እትድግፍ ዝፍለጥ እውን ኮይኑ እዚ ዳሕረዋይ፡ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንገለ ኣሃዱታቱ ብቦምብታት ኣዕንዩ ክብል ከም ዝኸሰሰን፡ ካብ ካይሮ ዘረጋግጽ ኮነ ዝነጽግን መግለጺ ከም ዘይተዋህበ ኣፍሊጡ፥ ኩናት ሓድሕድ ሱዳን ቀጥታውን ተዘዋዋርን ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘለዎ ከም ዝኾነ (ፊደስ 15/4/2024 ርአ)ን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናይ ውሽጢ ዓዲ (ኣብ መንጎ ሶማልያ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ዞባዊ (ኲናት ኣብ ሱዳን፡ ንሕንሕ ኢትዮጵያን ግብጽን) ከምኡ’ውን ማእከላይ ምብራቕ (ተሳትፎ ሑቲ የመን ኣብ ኲናት ኣንጻር እስራኤል) ክጸሉ ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘለዎ (L.M.) ( ፊደስ 21/10/2024) ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

15 October 2024, 16:19