ቓዛ ማሕበረሰብ ዓለም ኣበይ ኣሎ? ትብል ቓዛ ማሕበረሰብ ዓለም ኣበይ ኣሎ? ትብል  (AFP or licensors)

ቓዛ ማሕበረሰብ ዓለም ኣበይ ኣሎ? ትብል

ኣህጉራዊ መዓልቲ ምትሕባር ምስ ህዝቢ ፍልስጥኤም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 29 ሕዳር እዩ ተዘኪሩ ዝውዕል። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ዕንወት እናሃለወ ኽነሱ ዓለም ናብ ቓዛ ገጻ ትጥምት ኣላ ኣብኡ ድማ ህዝቢ ቓዛ እቲ ሰብ ብህይወት ንምባር ዝግበር ተፈጥሮኣዊ ጻዕርን ባህርያዊ ጠለባት ንኽማላኣሉ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ተበጽሑ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣህጉራዊ መዓልቲ ምትሕብባር ንህዝቢ ፍልስጥኤም ዳርጋ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተበገሰ ዕለት 29 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1977 ዓ.ም. ዘቖሞ ኮይኑ፥ ዓለምለኻዊ መዘኻኸሪ ናይቲ ፈጺሙ ክገሃስ ዘይብሉ መሰላት ህዝቢ ፍልስጥኤም ከምኡውን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ቀጻሊ ተስፋ ዀይኑ ዘገልግል ትካል እዩ፡ እዚ ተስፋ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘተን ሓድ ሕዳዊ ኣፍልጦ ናይ ምውህሃብን ተግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ህጹጽ ምዃኑ ኣጒሊሖም እዚ ድማ ክልተ መንግስታትን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ዘቃልሕ ዕለት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኩለን የዕንቲ ናብ ቓዛ

“ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክንዝክር እንኮለና ብፍላይ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ናብታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ዘዕነዋ ቓዛ ኢና እነተኵር። ብመሰረት ናይ ግብረ - ሰናይ ማሕበራት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 45,000 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም እዮም። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 10 ተቐማጦ ቓዛ እቶም 9 ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉ ይፍለጥ . . . እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝወረደ ዕንወትን ሞትን ማህሰይትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዅነታት ካብ ቃላት ንላዕሊ ዘሰንብድ ስእሊ እዩ፡ ከም ሓቁ ድማ "ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ዅነታት ንምግላጹ ቃላት ኣይርከብን" . . . ነዚ ዝበለት ማርታ ሎረንዞ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ወኪል ኣብ ኤውሮጳን ቀረባ ምብራቕን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ቓዛ ዘገልግሉ መሳርሕታ ንከባቢኦም ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቃላት ብሓቂ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ንኽገልጽዎ ካብ ዓቕሞን ንላዕሊ ከም ዝኾኖም ኢኻ ትርዳእ . . .

ንሓደ ‘መዓት’ ምግላጽ

እቲ ዅነታት ዘሰክፍ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እቲ ዝመጽ እዋን ኵነታት ብርቱዕ ዝናምን ትሑት ሙቐትን ናብ ዝገደደ ከብል እዩ ቢላ፥ እቲ ዅነታት ኢሰብኣዊ እኳ እንተዀነ እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዘይሕሰብ ጸገማት ዝቃለስ ናይ ሓቂ ዝንበር ዘሎ ህይወት እዩ፥ "ንእሽቶ ቘልዑ ዘለዋ ስድራቤት ስንኩላን ወይ መንሽሮ ዝሓመሙ ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ እንታይ ማለት ምዃኑ ክትሓስቦ ዘጸግም እዩ፡ ዕለት 27 ሕዳር 7000 ኣባይቲ ስድራ በቲ ብርቱዕ ዝናም ንኸቢድ ሓደጋ ከም እተቓልዑን፥ "እዚ እውን ነቲ በቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ናይ ዝሞቱን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቃልዑን ብዝሒ ክብ ከብሎ ከም ዝኽል ሓቢራ፥ "ኣብቲ ከባቢ ኩሉ ስለ ዝዓነወ ድማ ዝናም ክዘንም እንከሎ ዝተፈላለየ ሕማም ይሰፍሕ፥ "ኣብ ቓዛ እኹል ናይ ሕክምና ኣገልግልትን መሳለጥያ ስለ ዘየለ እዚ እውን ንኵነታት ጥዕና ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንኸብል ይድርኽ . . . ብዙሓት ሰባት ድሮ ብጥሜት ይሳቀዩ ኣለዉ። ኣብቲ ካብ 65,000 ክሳዕ 75,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዘለዉ ዝንገረሉ ወሽመጥ ቓዛ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገም ኣሎ፥ እቲ ዘሕዝን ግን ብምሉኡ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ውጥረት ስለ ዘሎ ከምቲ ዝድለ ንኹሉ ክበጽሕ ኣይክእል እዩ፡ እዚ እውን ነቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ዝገደደ ደረጃ ከንቁቅልቁል ምኽንያት ይኸውን ትብል።

ኣብ ቓዛን ኪኖኡን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምምዝባል

እንተዀነ ግን ካብታ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምትሕብባር ምስ ህዝቢ ፍልስጥኤም (1977) ካብ ዝተበገስሉ ዕለት ኣትሒዝና፥ “ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምምዝባል ፍልስጥኤም ማለት እቲ ካብ 1948 ዓ.ም. እትሒዙ ፍልስጥኤማውያን ናክባ - ጥፍኣት" ቢሎም ዝጽውዕዎ እዋን 700,000 ፍልስጥኤማውያን ብሓይሊ ከም እተመዛበሉን ድሕሪ ምቛም መንግስቲ እስራኤል እተላዕለ ውግእ ኣዕራብን እስራኤልን ምኽንያት እውን ብዙሕት ከም እተመዛበሉ ተዘኻኽር።
ሎሚ እውን እንተ ዀነ መብዛሕትኦም እዞም ስደተይናታት እዚኣቶም ምስ ስድራ ቤቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ መዓስከር እዮም ዚነብሩ፡ ዓደይ ዝብልው ቦታ ስለ ዘይብሎም ክምለሱ እውን ኣይክእሉን እዮም ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ እተፈላለየ ግጭታት ንኣብነት በቲ ናይቲ ኣብ 1967 ዓ.ም. ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ውግእ ተባሂሉ ዝግለጽ ልዕሊ 300,000 ፍልስጥኤማውያን ከም እተመዛበሉ እውን ሓቢራ፡ ይኹን እምበር ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣትሒዙ ወተሃደራት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 1,200 እስራኤላውያን ከም ዝሞቱን ካልኦት 240 ድማ ጅሆ ከም እተታሕዙ ኣዘካኺራ፥ ነዚ ስዒቡ እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምምዝባልን ሞትን ማህሰይትን ዕንወትን የጋጥም ኣሎ ገና እውን ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ቓዛ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምዕራባዊ ገምገምን ሊባኖስ እውን ተመሳሳሊ ጸገማት እዩ ዘጋጥም ዘሎ ትብል።

ማሕበረሰብ ዓለም ኣበይ ኣሎ?

ኣብ መላእ ዓለም ነቲ እስራኤል ተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ ብዙሕ ተቓውሞ እኳ እንተሎ፡ ገና ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሰሉ ዘኽእል መገዲ ብፍጹም ዘሎ ኣይመስልን። " ንህዝቢ ቓዛ "ኣህጉራዊ ምትሕብባር ክበሃል ከሎ እቲ ውግእ ደው ንምባልን ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ዓዶም ንኽምለሱን ጸቕጢ ምግባርን ከምኡውን ሰባት ህይወቶም ምእንቲ ክቕጽሉ እኹልን ነባርን ረድኤት ክቐርብ ምግባር እዩ . . . "ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ንዅነታት ህዝቢ ፍልስጥኤም ብፍላይ ከኣ ንዅነታት እቶም ኣብ ቓዛ ዝነበሩ ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ይስምዖም እዩ። . . . "እቶም ኵሉ ዝሰኣኑን ኵሉ ዘድልዮምን ሰባት" እተራሕርሑ ዀይኑ ይስምዖም ኣሎ፥ "ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣበይ ኣሎ?" ዝብል ሕቶ ንኸቕርቡ እዮም ዝግደዱ . . .
ፍራንቸስኮ ምስ ህዝቢ ቓዛ ዘለዎም ቅርበት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ብምልእታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሓቢሮም ኣብቲ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዚግበር ውግእ ደው ክብል ኣብ ዝቐረብዎ ጻውዒት እሓብር ቢላ፡ "ንስቓይ ሰባት ደው ንምባል ከም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓይነት ጻውዒት የድልየና ኢዩ።”

ቅድምን ደሓርን

ማርታ ሎረንዞ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዅነታት ብኸመይ ከም እተቐየረ ክትሕብር እንኮላ፡ ኣብ ገማግም ቓዛ ዅነታት ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ቅድሚ እቲ ውግእ ግን እቲ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት፥ ኣብ ጉዳይ ህንጸት ህጻናትን መንእሰያትን ይዓዪ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ፥ “እዚ ክብል እንከሎኹ ብዛዕባ ህይወትን መጻእን ናይቶ 600,000 ቈልዑ ኢየ ዝዛረብ ዘለኹ።" ሕጂ እዞም ቈልዑ ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታትን ዘጋጠመ ሞትን ማህሰይትን ዕንወትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣበይ ከም ዝርከቡ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ዕድለይናታት እንተ ዀይኖም ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ እዮም ዚምገቡ። "እዚ ቕቡል ኣይኰነን። ናብ ቤቶም ክምለሱ ኣለዎም። ድሕንነትን ትምህርትን ኣብ ዘለዎ ሃዋሁ ክነብሩ እዩ ዘለዎም” ምስ በለት ኣስዒባ፥

ተስፋ ኣብ ዝጸልመተ ግዜ

ነዚ ጸልማት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ንኽወርድ ክጽልዩ እንከለዉ "ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ተስፋ ከነጥፍእ የብልናን" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሳ፥ ንህዝቢ ቓዛ ፍልስጥኤም ከምኡውን ንብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ "ሰላም ውሑስ ክኸውን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ፈጺሙ ክቋረጽ የብሉን - ሰብኣውነት ድማ ክዕወት ኣለዎ” ቢላ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

29 November 2024, 17:36