ብዛዕባ መጻኢ ጋዜጠይናታት ምዝታይ፡ ካብ ግጭት ናብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዛዕባ መጻኢ ጋዜጠይናታት ምዝታይ፡ ካብ ግጭት ናብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ 

ብዛዕባ መጻኢ ጋዜጠይናታት ምዝታይ፡ ካብ ግጭት ናብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ራድዮ ቫቲካን ብሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጋዜጠይናነት ጉባኤ ይሳተፍ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ውልትውና እናወሰኸ ዝኸደላ ዘሎ ዓለም ጋዜጠይናነት ናበይ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ? ኣብ ዝተበታተነ ናይ ሓበሬታ መልክዕ መራኸቢ ብዙሃን ህዝባዊ ኣገልግሎት እንታይ ተራ ኣለወን? ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ዝያዳ ዕድል ድዩ ወይስ ሓደጋ?

እዚኣቶም ገለ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቝጸውሩ ጋዜጠይናታት ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጹ ዝተመያየጡሎም ሕቶታት ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ እቲ ኣብ ሊትዋንያ ርእሰ ከተማ ቪልኒየስ ካብ 20 - 22 ሕዳር ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ፈነወ (EBU) ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ራድዮ ቫቲካን ብምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣሌሳንድሮ ጂሶቲ ተወኪላ ከም እተሳተፈት ይሕብር።

ካብ መንእሰያት ክሳብ ኲናት ዩክሬን

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዓውደ ጉባኤ፡ ሰፊሕ ኣርእስታት ዝሓዘ ከም ዝነበረን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ኣርእስተ ዓንቀጽን ተጸምዶ ተኸታተልቲ መንሰያትን - ካብ ባህላዊ መራኸቢ ብዙሃን እናረሓቑ ብኣጠቓቕማ ሓደስቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቑ መራኸቢ ብዙሓን ይሰሓቡ ከም ዘለዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰፊሕ ትኩረት ብምግባር ከም ዝተመያየጠ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ነጻን ናጽነት ጋዜጠይናታትን ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ዘለዎ ኣገዳሰንት ከም ዘስመረሉን፥ እቲ ሕጂ ብዘሕዝን መንገዲ ልዕሊ ሽሕ መዓልታት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ዩክረይን እውን እቲ ዓውደ ጉባኤ ሓደ ኣርእስቲ ገይሩ ከም እተመያየጠሉን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ወከልቲን ክኢላታትን፡ ብናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣዝዩ ኣብ ዝተጸልወ ሃዋሁው፡ ተራ መራኸቢ ብዙሃን ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዘተኣማምን ሓበሬታ ዘቕርብ ብምዃኑ ካብ ናይ ሓሶት ኣገባብ ክርሕቓ ከም ዝግባእ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ርኡይ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ንኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ጋዜጠይናነት እውን ዝተወፈየ ከም ዝነበረን ምስ ክኢላታት ብስነ ኣሃዝ እተራቐ መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሞያ ውልቃዊ ጽላትን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝፍጠር ትሕዝቶ ንምልላይ ዝሕግዙ መሳርሒታት፡ ነዞም መሳርሒታት ኣብ ክፍልታት ዜና ብግቡእ ንምውህሃድ ዝሕግዙ ሜላታት እውን ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 November 2024, 10:57