'ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ደቓይቕ ሓደ ቘልዓ ብዓመጽ ይቕተል አሎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ደቒቕ ሓደ ቘልዓ ብዓመጻ ይመውት ኣሎ ።...
እዚ ዘሰንብድ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ በቲ ዩኒሴፍ ዝተሰምየ ናይ ው. ሕ. ሃ. ማሕበር ዕቁባ ቈልዑን ህጻናትን ዝኾነ ዝተዋህበ መግለጺ ኢዩ ዝንበረ።
መራሕቲ ዓለምን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መስላን ከምኡውን መንእሰያት ኣብቲ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ከተማ ቦጎታ ኮሎምብያ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዝወርድ ዓመጻ መወዳእታ ክግበረሉ ዓለምለኻዊ ናይ ኣገልገልቲ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ እተኣከቡሉ ከምዚ ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ ።
እቲ ናይ ኣገልገልቲ ዋዕላ ብሓገዝ መንግስቲ ሽወደን ዩኒሴፍ ፍሉይ ተወካሊ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ዓመጻ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡውን ብውድብ ጥዕና ዓለም እተወደበ ፖሊሲታት ንምድንፋዕ ሃብቲ ንምልዕዓል ከምኡውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዝወርድ እተፈላለየ ዓይነት ዓመጻ ደው ንምባልን ንምጥፋእን ከም ዝኽእል ንምግምጋም ዝዓለመ ኢዩ ዝንበረ።
እዚ ተርእዮ እዚ ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ብኸመይ ከም ዝጉድኡ ብዝርዝር ዝገልጽ እኳ እንተዀነ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ኣስታት 90 ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑ እውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠሞም ዘረጋግጽ ኢዩ ።
ዓቢይ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ
ብፍላይ ኣስታት 650 ሚልዮን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንኣሽቱን ዓበይትን ማለት ሎሚ ኻብዚኣቶም ሓንቲ ሓሙሽተ ብህይወት ዘለዋ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረደን ይገልጽ ።
እዚ ኸኣ ልዕሊ 370 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ከም ዚዕምጹ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኸም ዝወረዶም ዚሕብር እዩ ።
ኣብ ተነቃፊ ዅነታት ደቂኣንስትዮ ዝገደደ ሓደጋ ኸም ዘለወን ይሕብር፣ ከመይሲ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ግዜ ቝልዕነተን ምግሳስ ኰነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶም ይሕብር።
ወሲኹ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ 50 ሚልዮን ዝዀና ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 15-19 ዝኾና ሓንቲ ኻብ ሽዱሽተ ጐራዙት ኣዋልድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብሰብኡተን ወይ ብብጾተን ኣደዳ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ማህሰይቲ ኸም ዝዀና ገሊጹ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ 410 ክሳዕ 530 ሚልዮን ዝዀኑ ሓደ ካብ ሸውዓተ ኣቢሎም ዝዀኑ ኣወዳትን ሰብኡትን ኣብ ግዜ ቝልዕነቶም ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠሞም ይገልጽ፣ ካብዚኣቶም ድማ ካብ 240 ክሳዕ 310 ሚልዮን ዝዀኑ እተዓመጹ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ኢዮም ይብል።
ዘቤታዊ ዓመጻ
ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ዩኒሴፍ ካብ ሰለስተ ቘልዑ ዳርጋ ኽልተ ዝዀኑ 1.6 ቢልዮን ቈልዑ "ኣዘውቲሮም ኣብ ስድራቤቶም ከቢድ መቕጻዕቲ ይወርዶም ኣሎ" ብምባል የጕልሕ።
"ልዕሊ ኽልተ ሲሶ ዝዀኑ ኣካላዊ መቕጻዕትን ስነ-ኣእምሮኣዊ መጥቃዕትን ይወርዶም ኢዩ ዘሎ" ብምባል ውን ይገልጽ፣ ብዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑን ህጻናትን ብገምጋም 130,000 ዝዀኑ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ኣባጽሕን ይሞቱ ምህላዎም ውን ዘጉሂ ዜና ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ኣወዳት ሞት ኬስዕብ ዚኽእል ሓደጋ
እቲ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ ኣወዳት ብሰንኪ ዓመጻ ኺሞቱ ዘለዎም ኣጋጣሚ ዝለዓለ እዩ ።
ካብ ኣርባዕተ ቈልዑ እቶም ሰለስተ ዓመጻ ዝወርዶም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ኣወዳት ምዃኖም ውን ይሕብር ።
ኣብ መወዳእታ ብጽሕና/ጕርዝውና ብሰንኪ ዓመጻ ናይ ሙማት ኣጋጣሚ ኣጸቢቑ ኸም ዝወሰኸ ዝሕብር ጸብጻብ ካብ 10 ቘልዑ እቶም 7 ካብ 15 ክሳዕ 19 ዝዕድሚኦም መብዛሕትኦም ከኣ ኣወዳት ኢዮም።
ኣብ መወዳእታ እዚ ማሕበር ዕቍባ ቈልዑን ህጻናትን ው. ሕ. ሃ. ኣስታት 550 ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑ ሓደ ኻብ ኣርባዕተ ዝዀኑ ምስተን ግዳያት ዓመጻ ናይ ቀረባ መጻምድተን ዝዀና ኣዴታት ከም ዝነብሩ ውን ገሊጹ ።