ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ዘሎ ህልቂት ኣየብቅዐን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ድማ 76 ሰባት ሞይቶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝርዝር ናይቶም ኣብ ቃዛ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ዝገልጽ ጸብጻብ ብኣሃዛት ዘስካሕክሕ ኢዩ ። ናይ ሰበ ስልጣን ጥዕና ፍልስጥኤም ከም ዝገለጽዎ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ሓፈሻዊ ብገምጋም 43,922 ሰባት ከም ዝሞቱ ኢዩ ዝንገር ዘሎ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት 103,898 ሰባት ቈሲሎም ሰንኪሎምን ይርከቡ ኣለዉ ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ሃገር ፍልስጥኤም ነቲ ዝፍጸም ዘሎ "ግፍዒ" ደው ንምባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽውሰድ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።
ሓላፊ ሥነ ሜላዊ ክኤኣዊ ርክባት ኤውሮጳ ዝዀነ ሆሴፕ ቦረል ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንምግላጽ ቃላት ከም ዘይገልጾ ኣመልከተ ።
ቦረል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከም ላዕለዋይ ተወካሊ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ መጠን ዝነበሮ ግደ ሓዲጉ ክኸይድ ከሎ ነቲ ኣብ ብራስለስ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ሚኒስተራት ቕድሚ ምምራሑ ከም እተበሳጨወ ገለጸ ።
እዚ ስጳኛዊ ብዓል ስልጣን ከም ዝገለጾ - "ኣብ ቃዛ 44,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ፣ 70 ሚእታዊት ካብቶም ዝሞቱ ኸኣ ኣንስትን ቈልዑን ኢዮም። ወሲኹ ድማ "ንዕድመኦም ክትርእይዎ ኸለኹም መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ 9 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ እዮም " በለ ።
ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝወረደ መጥቃዕቲ
ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ናይ ኢራን ፕሮፓጋንዳ ምንቅስቓስ ሊባኖስ "ሓለቓ ፕሮፓጋንዳ" ዀይኑ ዝቐረበ መሓመድ ኣፊፍ ዝበሃል ኣካያዲ መራኸቢ ብዙሓን ህዝቦላህ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ከባቢ በይሩት ኣብ እተገብረ ውግእ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ በይሩትን ኣብ ከባቢኡን ዚርከብ ኣብያተ-ትምህርቲ እስራኤላውያን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ማእከል እታ ርእሲ ኸተማ ኽልተ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዳ ክሳዕ ረቡዕ ዕጹው ክኸን እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት 29 ሰባት ከም እተቐትሉ 122 ድማ ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ኣስዕብ ኣቢሉ 3,481 ሰባት ከም ዝሞቱ 14,786 ከኣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ከም ዝቘሰሉ ገለጸ ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ሰለስተ ሚእቲ ዝዀኑ ክኢላታት ስነ ቅርሲ ንዩኔስኮ ብዛዕባ ዕቝባ ታሪኻዊ ውርሻ ሊባኖስ ብህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ።
እቶም ክኢላታት እንተላይ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን ምሁራትን ኣብቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ነቲ ትካል መተካእታ ዘይብሉ መዝገብ ንምዕቋብ ጻውዒት ኣቕረቡሉ።