ድለ

እስራኤላዊ ፕሮፌሰር ንሰሜናዊ ቓዛ "እስራኤል እትኽተሎ መስርሕ" የብርሁ እስራኤላዊ ፕሮፌሰር ንሰሜናዊ ቓዛ "እስራኤል እትኽተሎ መስርሕ" የብርሁ  (AFP or licensors)

እስራኤላዊ ፕሮፌሰር ንሰሜናዊ ቓዛ "እስራኤል እትኽተሎ መስርሕ" የብርሁ

ኣብ መንበረ ጥበብ ተልኣቪቭ ናይ ስነ-ቋንቋ መምህር ኢዳን ላንዳው ብዛዕባ እቲ ብእስራኤል ዝተሓንጸጸ ንሰሜናዊ ቓዛ ናይ ከበባን ግዱድ ምውጻእን ሜላ፥ “ትልሚ ጀነራላት፡” እዚ’ውን ብዛዕባ ዕጫ ናይቲ ኣብ ሰበኻ ቅድስቲ ስድራቤት ተዓቚቡ ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስትያን ስክፍታታት ዘለዓዕል እውን ኣማእኪሎም ርእይቶ ይህቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሊባኖስን ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ ዘተኮረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ዳግማይ ከቢድ ደብዳብ ብምጅማሩ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ክሳራታት የስዕብ ምህላዉ ይፍለጥ፡ እዚ ከቢድ ኩነታት ኣብታ ሕጂ ካብቲ ዝግስግስ ዘሎ ሰራዊት እስራኤል ሒደት ኪሎሜተራት ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ሰበኻ ቅድስቲ ስድራቤት ዝዕቆብ ማሕበረሰብ ክርስትያን እውን ስክፍታታት የልዕል። ገለ ተዓዘብቲ እዚ መጀመርታ ናይቲ “ውጥን ጀነራላት” - ንሰሜናዊ ቓዛ ዝምልከት ናይ ከበባን ግዱድ ምውጻእን ውጥን ምዃኑ ይኣምኑ፣ እዚ ውጥን እዚ ብእስራኤላዊ ጀነራል ነበር ጊዮራ ኤይላንድ ዝተሓንጸጸ ከም ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ከም ዝነበረን እቲ ትልሚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብመራሔ መንግስቲ ቤንጃሚን ናታንያሁ ናብ ኮሚቴ ጉዳያት ወጽእን ምክልኻልን ባይቶ ቀሪቡ ነይሩ።

ፕሮፌሰር ብዛዕባ እቲ ነበር ጀነራል ዝወጠኖ ጉዳይ እዚ ኣብ ኣስራኤል ብዙሕ ዝጸሓፈን ዘጽነዐን ኢዳን ላንዳው ካብ ተልኣቪቭ መንበረ ጥበብ ብስልኪ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

መምህር ላንዳው፡ “ውጥን ጀነራላት” እንታይ ከም ዘጠቓልል ኣሕጽር ኣቢልካ ክትገልጸልና?

"ትልሚ ጀነራላት" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እዩ ተገሊጹ። ዕላማኡ ድማ ንሰሜናዊ ቃዛ ካብቲ ኣስታት 300,000 ዝቑጸር ህዝባ ባዶ ምግባር እዩ፣ እዚ ድማ ኣስታት ሲሶ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ቓዛ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ሰራዊት እስራኤል ንኹሉ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብ ብኽልተ ሰብኣዊ መትሓላልፎታት ኣቢሉ ናብ ደቡብ ክወጽእ ሓደ ሰሙን ከም ዘለዎ ይሕብር። ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን፡ ምሉእ እቲ ከባቢ “ዕጹው ወተሃደራዊ ዞባ” ተባሂሉ ክእወጅ እዩ። ዝተረፈ ሰብ ኢዱ እንተዘይሂቡ ከም ተጋዳላይ ጸላኢ ተቖጺሩ ይቕተል። ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ምሉእ እቲ ከባቢ ፍጹም ከበባ ክግበርን ዝያዳ ከነጽሎን ነቲ ቅልውላው መግብን ጥዕናን ክጋደድ ዝገበር እዩ።

ጀነራል ኣይላንድ ዝሓንጸጾ ውጥን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ምሉእ ብምሉእ ኣይጸደቐን። ስለምንታይ’ዩ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ትብሉ? እንታይ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት እዩ ነዚ ዘረጋግጽ?

ጦብላሕታይ፡ ወግዓዊ ምኽሓድ እኳ እንተሃለወ፡ ሰራዊት እስራኤል ምስቲ መበገሲ ውጥን ኣዝዩ ዝቐረበ ስርሒት የተግብር ከምዘሎ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ባይታ ዘለዉ ወተሃደት እዚ ንጋዜጠይናታት ዘረጋገጽዎ ጉዳይ እዩ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝግበር ከበባ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ከተማታት ጃባልያ፡ ቤት ሃኑንን ቤት ላህያን ዝመጹ ዓሰርተታት መሰኻኽር፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ዕንወት ከም ዘጋጠመን ነቶም ዕቝባ ዚደልዩ ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ከኣ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ ጸብጻባት ኣሎ፡ ቅትለት መዓልታዊ ይፍጸም: ዕለት 29 ጥቅምቲ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ቤት ላህያ ኣብ ዝርከቡ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብሩሉ ህንጻታት ብዙሕ ደብዳባት ብምክያድ 250 ሰባት ቀቲሉ: ፍርቆም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ኣለዉ። እቲ ውጥን ስርሒታዊ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ጎኒ ጎኒ እቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝፍጽሞ ዘሎ ዕንወት  ንዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ደቡብ ገጹ ይደፍኦም ኣሎ። ብዙሓት እዚ ምውጻእ እዚ ንሓዋሩ ንኸይምለሱ ዝካየድ እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ተለዓዒሎም ነቲ ናይ ነትዛሪም መተሓላልፎ ምስጋር ይኣብዩ ኣለዉ።

በቲ ውጥን ግዱድ ምውጻእ ክንደይ ሰባት ይጽለዉ?

ቅድሚ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. እቲ ስርሒት ኣብ ዝጅመረሉ ዕለት ከም ዝግመት ኣብቲ ከባቢ ካብ 300,000 ክሳብ 400,000 ተቐማጦ ከም ዝነበሩን፡ ሕጂ ድማ ኣስታት 100 ሽሕ ዝግመቱ ጥራሕ ተሪፎም ኣለዉ። ይኹን እምበር ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልም ዋላ ሓደ ኣብኡ ንኸይተርፍ ኣብ ናይ ምግባር ስርሒት ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። እዚ ኩሉ ምስቲ ዝተረፉ መራሕቲ ሓማስ ንምሓዝን መደበራቶም ንምዕናውን ዝብል ዕላማ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ንጹር እዩ፤ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣይፈቅድን እዩ ይብል፡

እቲ ውጥን ወተሃደራዊ ጸቕጢ ጥራይ ዘይኮነስ ቀረብ መግቢ፡ ነዳዲ፡ ጸዓትን ማይን ምቁራጽ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። እዚ ምስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ’ውን ኣይምተጋጨወን ድ?

ኣብዛ ሕቶ እዚኣ ኩነታዊ ግዜ ምጥቃምካ ክቃወም ፍቐደለይ። "ምትእትታው ኣይምኾነን" ዘይኮነስ "ምትእትታው" እዩ፤ "ምተጋጨወ" ዘይኮነስ "ዝጋጮ" እዩ። ንሓደ ወርሒ ዝኣክል፡ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝኣቱ መግቢ ይኹን ማይ፡ ቤት ሕክምና ከማል ዓድዋን ጥራይ እዩ ውሱን ቀረብ ዝፍቐድ፡ መዓልታዊ ኩለን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ትካላትን፡ እቲ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣዕናዊ ምዃኑ ይሕብሩ። ብዛዕባ እንታይነት ናይዚ ስርሒት ብመንጽር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ - ሕጊ ዘይቅቡል ምዃኑ ጥርጣረ ክህሉ ኣይክእልን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፣ በዚ ምኽንያት ድማ እዩ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ሓቀይና ስፍሓቱ ከነኣእሶ ዝፍትን ዘሎ።

ክሳብ ሕጂ መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ቓዛ ንጹር ይኹን ውዱእ መርገጺ ኣይገለጸን። እዚ ስርሒት እዚ እንተወሓደ ንሰሜናዊ ቓዛ ዝኸውን ናይ መጻኢ ምድላው ዝፈጥር ዘሎ ይመስለኩም?

እወ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዳግማይ ምቕማጥ ሰፋሮ እስራኤል እዩ ዝመስለኒ - ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ብናይ ሽዑ መራሔ መንግስቲ ሻሮን ዝተኣዘዘ ምውጻእ ሰፋሮ እስራኤልም ምምላስ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ።  ኣኽረርቲ የማናውያን ኣባላት ጥምረት መንግስቲ ናታንያሁ ነዚ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ቍጠባ ስሞትሪች ጀሚሮም ዝሃብዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ብደረጃ ዝትግበር ውጥን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብቐጻሊ ህላወ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣብ ውሽጢ ዙርያ ቓዛን "ጸጥታዊ ዞባታት" ዝበሃሉን፡ ኣብ መጀመርታ ንኣሽቱ ሰፈራታት ክረኣዩ እዮም፡ ከም ኣድላይነት ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ብምኽኑ፡ ኣብ ፈለማ ኣብ ንኣሽቱ ሰፈራት ኪቕልቀላ ወተሃደራዊ ቝጽጽር ከም ዘድልየን መመኽነይታ ዀይኑ ክቐርብ እዩ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ከም ምዕራባዊ ገምገም ዮርዳኖስ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማሕበረሰባት ኪዓብይ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ዳግመ - ምጥያስ ኣብ ድቡባዊ ሸነኽ ዘሎ መተሓላልፎ ነትዛሪም ክሰርሕ ዝኽእል ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ኣብ ክፉት ኣየር ዝርከብ ገዛ ታኒካ ዝተጨናነቑ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ዝኸድዎ ቦታ የብሎምን። ምስ ግዜ ድኽነትን ሕማምን ሓደገይና ኩነታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ጽንፈይናነትን ዝሓቖፈ ንኽፍንጀር ደቓይቕ ዝቖጽር ቦምብታት ክኾኑ ዘይተርፍ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

08 November 2024, 15:53