ሰብመዚ ሊባኖስ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ ሰብመዚ ሊባኖስ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ  (AFP or licensors)

ሰብመዚ ሊባኖስ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ

ሰበስልጣን ሊባኖስ ዕለት 31 ጥቅምቲ ላዕለዎት ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሊባኖስን ቓዛን ናብ ዕርቂ ኣብ ዘብል መገዲ ንኽድርኹ ናብቲ ዞባ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን ምስ እስራኤል ክግበር ዝኽእል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ቀረባ እዋን ክብጻሕ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 60 ሰባት ከም እተቐትሉን ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ እስራኤል ዕለት 23 መስከረም ኣንጻር ሂዝቦላህ ዘበገሰቶ መጥቓዕታዊ ወፍሪ እናበርተዐ ካብ ዝኸይድ ንደሓር፡ ልዕሊ 100 ህጻናት – ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 2 ህጻናት – ከም እተቐትሉ ክፍለጥ እንከሎ፥ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሰ ሮኬት፣ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል፣ ኣርባዕተ ወጻእተይናታት ሰራሕተይናታት ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ድሕሪ ወራር እስራኤል ከምዚ ዓይነት ከቢድ መጥቃዕቲ ክፍኖ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተስፋ ንምቁራጽ ተኹሲ

ከምኡ’ውን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ግንባር፡ ዕለት 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሊባኖስ ግዜያዊ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ ኣብ ዝመጽእ ሰዓታት ወይ መዓልትታት ምስ እስራኤል ውግእ ደው ከም ዝብል ክእውጅ ከም ዝኽል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣሞጽ ሆኽሽታይን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንኽብል ቶኽሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ዘውሕስ መገዲ ንምድህሳስ ኣብቲ ከባቢ ብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ጠቒሱ የመላኽት፡

ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት - ኣስታት ሓደ ሓምሻይ ክፋል ህዝቢ - ከም እተመዛበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ልዕሊ 43,200 ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 101,000 ከም እተሃሰዩን፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጸብጻብ፡ 41 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱን 131 ድማ ከም ዝቖሰሉን ክሕብር እንከሎ፥ መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እስራኤል ብዘካየደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ  ዝተቐትሉ ኮይኖም ሓደ ካብቶ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ መውሃቢ ሕክምና ዝትፈጸመ ከም ዝኾነን ብዙሕ ዕንወት እውን ከም ዘስዓበ ዜና ቫቲካን ካብቲ ቦታ ዝተፈነወ ሓበሬታ ተወኪሱ ይሕብር።

መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና

ሰራዊት እስራኤል፡ ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጤም ሓማስ፡ ኣብ ቤት ላህያ ዝርከብ ሆስፒታል ከማል ዓድዋን ንወተሃደራዊ ዕላማ ይጥቀመሉ ክብል ከሲሱ፡ "ዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣሸበርቲ" ኣብኡ ዝተሓብኡ ምዃኖም ክሕብር እንከሎ ሰበስልጣን ጥዕናን ሓማስን ነቲ ሰራዊት እስራኤል ዘቕረቦ ክሲ ከም ዝነጸጎን፡ እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝርከብ ዕርዲ መሓውር ማእዝዝ ሓማስ ከም ዘዕነወቶ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝኾነን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ተጠርኒፎም ዝበሃሉ ዘለዉ ዕጡቓት ሓማስ ንምጥፋእ ናብ ጃባልያ፡ ቤት ሃኑንን ቤት ላህያን ታንክታት ከም ዝዋፈረትን ክንገር እንከሎ ብዛዕባ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝምልከት ሓማስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መፍትሒ ክርከቦ ዝብል ነቲ ቓጣርን ምስርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘቕረብዎ ሒደት ዝተውጨውዩ እስራኤላውያን ሓራ ምውጻእን ን30 መዓልቲ ውግእ ምቍራጽን ዘጠቓልል እኳ እንተ ነበረ ሰራዊት እስራኤል ካብ ግዝኣት ቓዛ ግን ከም ዘይወጸ እዩ ዝፍለጥ።

01 November 2024, 14:25