ልዕሊ 25 ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ቓዛ ተቐቲሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብቶም ዝተቐትሉ 25 ሰባት 13 ሕጻናት ከም ዝኾኑ እቲ ትካል ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝተፈጸመ ፍሉይ መጥቃዕቲ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ድማ ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ኣመላኺቱ፥ ሰራዊት እስራኤል – ንሓያሎ ሰሙናት ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣሸበርቲ ኣልየ እንክብሉ ከም ዝገለጸን ኣብ ቀዳመ - ሰናብቲ እስራኤል ነቲ ኽኢላታት ውሕስነት ምግቢ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጥምየት ኣሎ እንክብሉ ዝሃቦ መጠንቀቓ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነጸገቶን ከምዚ ዝኣመሰለ ኽሲ ኣብ ቄናን ሓበሬታን ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ምንጭታትን እተመርኰሰ እዩ ከም ዝበለትን፥ ይኹን እምበር ሽማግለ ገምጋም ጥሜት (FRC)፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓያል ጥምየትን ስእነት መግብን ክህሉ ዝገብር ሃዋሁ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ከምዘድሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበን እስራኤል ድማ ብወገና ናብ ቓዛ ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ዘኽእል ተወሳኺ መሳገሪ መገዲ ሓዊሱ ጻዕርታት ሓገዝ ከምዘዕበየት ኣፍሊጣ ይብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፡ ቀጠር ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን እትገብሮ ዘላ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡ እንተኾነ ቀጠር ካብ መስርሕ ሽምግልና ኣንሳሒባ ዝብል ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ጌጋ ምዃኑ ከም ዘነጸረን ብተወሳኺ ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ ቀጠር ንመርሕነት እቲ ምንቅስቓስ ካብ ዶሃ ክወጹ ሓቲታ ዝብል ክሲ ሓሶት እንክብል ከም ዝነጸጎን ኣብ ቓዛ ብሓማስ ንዝተታሕዙ ጅሆታት ዝኽሪ 400 መዓልታት ኣብ መላእ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱን እቲ ዝዓበየ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ ይሕብር።