መራሕቲ ሃይማኖታት ፓኪስታን ኣብ ብከላ ኣየር ላሆር ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ጽሬት ኣየር ብቐጻሊ ደረት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዘይክበረላ ርእሰ ከተማ ፑንጃብ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ዓጽዮም፡ ገደብ ብሞተር ዝንቀስቐሳ ኩለን ዓይነት መጓዓዝያ ክህሉ ዝብል ውጥን ይሓስቡ ምህላዎም ክንገር እንከሎ፥ ሰብ ሞያ ሕክምና ምስ ትሑት ጽሬት ኣየር ዝተኣሳሰር ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ፡ ኩነታት ሳንቡእን ንድረትን ክውስኽ ይገብር ምህላዉ ይሕብሩ።
14 ሚልዮን ተቐማጦ ዘለዉዎ ማእከላይ ዞባ ፓኪስታን ከተማ ላሆር፡ ሕጂ “ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝተበከለት ከተማ” ዝብል ዘጨንቕ ስያመ ተሰኪማ ከም ዘላን፥ ከም መልሲ ናይዚ ድማ ካብ ማሕበረሰባት ኣስላም፡ ክርስትያን፡ ሲክን ሂንዱን ዝመጹ መራሕቲ “ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ተበግሶታት ከም ዘቖሙ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ከባብያውን ህዝባውን ጥዕና ኮይኑን ከቢድ ሓደጋታት ጥዕና ዘስዕብን” እንክብል ናይ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሰብኣዊ ልምዓት ሓላፊ ክርስቲያን ጀምስ ረህማት ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ተወኪሱ የመላኽት።
እቲ ተበግሶ ኪኖ ናይ ሓጺር ግዜ ፍታሕ ዝኸይድ ኮይኑ፡ "ኣብ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ልምዲ ምክልኻል ከባቢ" ንምህናጽ ዝዓለመ ምዃኑ ረህማት ከም ዝገለጸን መራሕቲ ሃይማኖት ጽልዋኦም "ንቕሓት ንምዕባይ፡ ንኣመንቲ ንምምሃርን ኣብ ዘላቒ ተግባራት ምትእስሳር ሕብረተሰብ ንምትብባዕን" ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ወሲኹ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ብምሕባር፥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ምስ ልምድታት እምነቶም ዝሰማማዕ መልእኽትታት ከባቢ ሓላፍነት ምዃኑ ይገልጹ፥ መራሕቲ ክርስትያናት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ስቡሕ ኣንተ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኺ ኣቢሎም ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ይውከሱ፣ ወከልቲ ሃይማኖት ሲክ “ንኹሉ ጽቡቕ ምህላው” ይጣበቑ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና ድማ “ፍጥረትን ህያዋን ፍጡራትን ‘ኣቕሑ ሃልኪ’ ከም ዘይኮኑ የረድኡ፡ . . . እቲ ኪዳን ኣብ መላእ ከተማ ወፍሪ ምትካል ኣግራብ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ዘቕርብ ኮይኑ፡ ዘላቒ ኣሰራርሓታት ንምድንፋዕ ዓውደ መጽናዕትታት፡ ዓውደ ጉባኤታት ማሕበረሰባዊ መደባትን ዘአንግድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ “ኣብ ኣነባብራ ሰባት ለውጢ ይስፍሕ ኣሎ፡ ከም ህዝባዊ መጓዓዝያ ምጥቃም፡ ናብ ጽሩይ ምንጪ ጸዓት ምቕያር፡ ናይ ግሊ ማኪና ምጥቓም ምንካይ፤ መራሕቲ ሃይማኖት ሰባት ንከባቢ ዝምሽእ ልምድታትን ተግባራትን ክኽተሉ ከተባብዕዎም ይደልዩ” ክብል ከም ዘመልከተ የረጋግጽ።
ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ብጀካ እቲ ማሕበረሰባዊ ስጒምቲ፡ መንግስታዊ ስጉምትታት ክወስዱ የተባብዑ። እቲ ጥምረት ኣብ ልዕሊ በካሊ ጋዝ ዝተፍኣ ከም መጓዓዝያን ኢንዳስትሪታትን ዝያዳ ብጽኑዕ ዘኽብርኦ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ፥ ረህማት፡ "ከም ወከልቲ ሃይማኖት መጠን፡ ፖለቲከይናታት ንጸገም ብከላ ኣየር ብመዋቕራዊ መንገዲ ዝፈትሕ ስጉምትታት ክወስዱ ከነእምኖም ዘኽል ኣካይዳ ክህልዎም ተስፋ ንገብር" ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ትምህርቲ መፍትሓዊ ኣካል ናይ’ቲ ጥምረት ሜላ እዩ፥ "ማሕበረሰባት ሃይማኖት ነዚ ጉዳያት ኣብ መንእሰያት ንምዝርጋሕ ይጽዕሩ ኣለዉ፡ ንህጻናት፡ መንእሰያትን ዓበይትን ብፍላይ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝተሰረተ መትከላት ሓለዋ ከባቢ ዝምህር ተበግሶታት" ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።