ድለ

ገበናት ኲናት፡ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኔታንያሁን መራሕቲ ሓማስን ክእሰሩ ሓቲቱ ገበናት ኲናት፡ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኔታንያሁን መራሕቲ ሓማስን ክእሰሩ ሓቲቱ  (AFP or licensors)

ገበናት ኲናት፡ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኔታንያሁን መራሕቲ ሓማስን ክእሰሩ ሓቲቱ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንመራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንትን ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ። ብጀካ እዚ መራሒ ኣልማስሪ ሓዊሱ ሓያሎ ሰበስልጣን ሓማስ እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝሒ ግዳያት ልዕሊ 44 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንትን ኣብ ግጭት ቓዛ ብዝፈጸምዎ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዕለት 21 ሕዳር ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ። ብተወሳኺ ንብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን እስራኤል ብደብዳብ ነፈርቲ ቀቲለዮ ዝበለቶን ብወገን ሓማስ ከም ዝሞተ ብወግዒ ሓበሬታ ዘይተወሃበሉ መራሒ ሓማስ ኣልማስሪ፣ ብተለምዶ ብደይፍ ዝፍለጥ ሓዊሱ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ዘሕፍርን ጸረ ሴማውያንን ውሳነ እያ ትብል

እቲ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ንኔታንያሁን ጋላንትን ናብ ዓለምለኸ ተደለይቲ ገበነይናታት ጥርጡራት ይቕይሮም። ኔታንያሁን ካልኦት መራሕቲ እስራኤልን፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ "ዘሕፍርን ጸረ ሴማውያንን" ክብሉ ኮኒኖምዎ። ወሃቢ ቃል መራሔ መንግስቲ እስራኤል “ካብቲ እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ኩናት ዝዓቢ ርትዓዊ ኲናት የለን” ብምባል ”እስራኤል ነቲ ዕሽነትን ሓሶትን ተግባራትን ክስታትን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ትነጽጎ፣ እዚ ድማ ወገናውን . . . ኣድልዎ ዝፈጥር ፖለቲካዊ ኣካል እዩ” ይብል።

ዳያኑ፡ ቓዛ መግብን መድሃኒትን ዝተሓረመ ህዝቢ

"እቲ ባይቶ ክልቲኦም ውልቀሰባት ኮነ ኢሎምን ብፍላጥን ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ንህይወቶም መተካእታ ዘይብሎም ነገራት፡ ማለት መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ሕክምናን ከምኡ'ውን ነዳድን ሓይሊ መብራህትን ከይረኽቡ ከም ዝገበረ ዘረጋግጽ ርትዓዊ ምኽንያት ከም ዘሎ" እውን እንክብል እቲ . . . ሰለስተ ዳያኑ ዝሓቖፈ ጉባኤ ነቲ ትእዛዝ ብምሉእ ድምጺ ዘጽደቖ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ኣስዒቡ ድማ እስራኤል ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ስልጣን ምቕባላ ነቲ ትእዛዝ ንምትግባር ኣድላዪ ከምዘይኮነ ወሲኹ ገሊጹ።

ልዕሊ 44 ሽሕ ጉድኣት በጺሑ

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሕጂ ኣብ መበል 403 መዓልቱ፡ ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ 44,056 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ልዕሊ 104,268 ድማ ከም ዝቖሰሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ዞባ በዓልቤክ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ሎሚ ብውሕዱ 22 ሰባት ከም ዝተቐትሉን እዚ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቤሩት ዝተወሃበ ጸብጻብ ዝሕብሮ ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝሞቱ፡ ብውሑዱ ሸሞንተ፡ ኣብ ከባቢ ናብሃ ምዃኑ የረጋግጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፥  እስራዔል ካትዝን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ሄርዚ ሃለቪን ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ሂዝቦላሕን ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ስምምዕ ንኽብጻሕ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልኡኽ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣሞስ ሆችሽታይን ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ የመላኽት።

22 November 2024, 16:38