ድለ

ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንእስራኤል ብጃምላዊ ቅትለት ቓዛ ይኸስስ ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንእስራኤል ብጃምላዊ ቅትለት ቓዛ ይኸስስ  (AFP or licensors)

ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንእስራኤል ብጃምላዊ ቅትለት ቓዛ ይኸስስ

ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት - ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከምዘላ ብምግላጽ፡ 13,300 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 42 ሽሕ ከም ዝሞቱን ሰፊሕ ኣባይትን ትሕተ ቅርጽን ከም ዝዓነወን ክጠቕስ እንከሎ፥ እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕለኣ ዝቐረብ ክስ ከም ዝነጸገቶ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብቲ ‘ትሕቲ ሰብ ከም ዘለኻ ኮይኑ ይስምዓካ’: እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ምጽናት ዓሌት ፍልስጤማውያን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እስራኤል ብዘይ - ኣፈላላይ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲን ንፍልስጤማውያን ከም “ትሕቲ ሰብ” ዝብል ኣረእኣእያ ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ንምጥፋእ ፍሉይ ዕላማ ሒዙ ዝፍጸም ዘሎ እዩ ቢሉ፥

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 4 ታሕሳስ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ድሕሪ’ቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብሓማስ ዝምራሕ ጉጅለ ካብ ዝፈጸሞ ቀታሊ መጥቃዕቲ እስራኤል ዘበገሰቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡​​ሓይልታት እስራኤል ብመሰረት ውዕል ምጽናት ዓሌት ዝተኸልከሉ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ይሕብር።

እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ፍጻመታትን መግለጺታት ሰበስልጣን እስራኤልን ብምትንታን ኣብ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ከፍልጥ እንከሎ፥ ድሕሪ ብናዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ስዒቡ ኣብ 1948 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ውዕል ምጽናት ዓሌት፡ "ንሓደ ሃገራዊ፡ ብሄራዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ንምጥፋእ ዝዓለመ ተግባራት" ዝብል ዝተሰምረሉ ውሳኔ ብምዝኽካር እስራኤልን ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤልን ካብቶም በቲ ውዕል ዝተኸልከሉ ሓሙሽተ ተግባራት እንተወሓደ ሰለስተ ከም ዝፈጸሙ ደምዲሙ፣ ማለት ቅትለት፣ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ ዘብጽሕ፣ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ንሓደ ዕቑር ጉጅለ ኣካላዊ ዕንወት ንምምጻእ ዝተሓሰበ ኩነታት ህይወት ምፍጻም ዝኣመተ እዩ ከም ዝበለን፥

እስራኤል ነቲ ክሲ ትነጽጎ

እስራኤል ድሕሪ እቲ ነቲ ኲናት ዘቀላጠፈ ስግረ - ዶባዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣኽቢራ፡ ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ ብምባል ብተደጋጋሚ ዝኾነ ይኹን ክሲ ምጽናት ዓሌት ከም ዝነጸገቶን

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፥ እስራኤል ነቲ "ምሉእ ብምሉእ ሓሶትን ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰን ዝተፈብረኸ እዩ" ክብል ነጺጉ፡ እቲ ምጽናት ዓለት ብሽበራዊ ትካል ሓማስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እስራኤል ዝተፈጸመ እዩ" ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ናይ ባዕሉ ጨንፈር ኣምነስት እንተርትናሽናል፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኾነ ተራ ከምዘይተጻወተን እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከምዘላ ከምዘይኣምንን ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ሎንደን ዝመደብሩ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ካብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገዛእ ርእሱ ከም ዘርሓቐን እንተኾነ ዋና ሓላፊ ጨንፈር ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን ክልተ ፍልስጤማውያን ኣባላት ሽማግለ እቲ ትካል ካብ ስልጣኖም ከምዝተኣልዩ የመላኽት።

ናይ ኣህጉራው ቤት ፍርዲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል

እዚ ጸብጻብ ኣምነስት እንተንራሽናል፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንመራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ላዕለዋይ ኣዛዚ ነበርን ንሓደ በዓል ስልጣን ሓማስን፡ ምስ ግጭት ቓዛ ዝተኣሳሰር ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም እንክብሉ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምውጽኡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝቐረበ ኮይኑ እስራኤል ንኹሉ ኣብ ልዕሌኣ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ብዘይ ኮንዶኾን ትነጽጎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ገበናት ዝምልከት ጸብጻብ ከም ዝዝርግሕ’ውን ይዝከር።

06 December 2024, 15:42