መኽሰብ ኣምረቲ ኣጽዋር በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ግጭት ክብ ይብል መኽሰብ ኣምረቲ ኣጽዋር በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ግጭት ክብ ይብል  (AFP or licensors)

መኽሰብ ኣምረቲ ኣጽዋር በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ግጭት ክብ ይብል

ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ንግዲ ኣጽዋር ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ4,2 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ዩክሬንን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ወጥሪ ዘጓሃህር ኲናት ምዃኑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምለኻዊ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣታዊታቱ ናብ 632 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓበየን እዚ ድማ ምስ 2022 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ4.2 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን ሓድሽ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ይሕብር። እዚ ምውሳኽ ጽልዋ ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ከም ውግእ ዩክሬንን ቓዛን፡ ኣብ ምብራቕ እስያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥርን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝካየድ ዘሎ መደባት ዳግመ ምዕጣቕ ዘንጸባርቕ እዩ። ግጭታትን ወጥሪ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድርን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣንፈት ኣብ 2024 ዓ.ም. ክቕጽል ተኽእሎ ከም ዝኾነ እቲ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ ተቕዋም ኣቐዲሙ ከም ዝገመቶ ዜና ቫቲክን ይሕብር።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

እቲ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣመሪካ ኣብ ጽላት ኣጽዋር ዓብላልነታ ክትዕቅብ እንኮላ፡ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ካብ ዝጠቐሰን 100 ኢንዳትሪታት ኣጽዋር ውሽጢ እተን 41 ኢንዳትሪ ኣጽዋር 317 ቢልዮን ዶላር ወይ 50 ሚእታዊ ካብ ዓለማዊ ኣታዊታት ኣጽዋር ቀዳምነት ክሕዛ እንከለዋ - እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ2.5 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ዝሕብር ምዃኑ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ይሕብር።

ቻይና

ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ኣጽዋር ዝኾነት ቻይና፡ "ኣብ ውሽጢ ዝሑል ቁጠባ" ኣታዊ ናይተን ትሽዓተ ፍሉጣት ናይ ኣጽዋር ትካላታ ብ 0.7 ሚእታዊት ጥራይ ወስኽ ከም ዘርኣያን፡ እተን ቻይናውያን ኢንዳስትሪታት፡ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና፡ ታይዋንን ምስ ህንዲ ዘለዋ ዶባትን ንፖቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ መሬትን ድሌታታ ወሳኒ ዝኾነ ምዕቡል ስርዓታት ብምሃብ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዘመናዊ ንምግባር ኣተኲረን ዝሰርሓ ምዃነን ዝሓብረ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣስዒቡ፥

ሃገራት ስሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን

ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ወጥሪ ብኸመይ ብደረጃ ዓለም ኣታዊታት ኣጽዋር ይጸልው ከምዘሎ ኣጒሊሑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሃገራት ስሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንምእላይ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ከዕብያ እንከለዋ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ትካላት ኣጽዋር እቶተን ክብ የብል ምህላዉ ኣመላኺቱ፥

ሩስያ

እቲ ንሩስያ ዝምልከት ኣሃዛት ምሉእ እኳ እንተዘይኮነ፡ ናብ ውግእ ዝቐንዐ ቁጠባ እታ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘረጋግጽ ንጹር ምልክት ይህብ። ኣብዚ ደረጃ ዘለዉ ክልተ ትካላት ሩስያ ብ 40 ሚእታዊ ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ብቐንዱ ሳላ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኮንግሎሜሬት ሮስተክ ብ49 ሚእታዊት ወሰኽ መሸጣ ከምዝረኸበ ይሕብር።

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣምረትቲ ኣጽዋር እውን ብኲናት ዩክሬንን ድሕሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛን ተደሪኾም ወሰኽ ኣታውታት የርእዩ ከምዘለዉን፡ ብማእከላይ ገምጋም ድማ 18 ሚእታዊት ወሰኽ መሸጣ ከም ዘመዝገባን እተን ሰለስተ ፍሉጣት ኣምረቲ ኣጽዋር ትካላት እስራኤል 13.6 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ከመዝግባ እንከለዋ፡ እዚ ድማ ካብ 2022  ዓ.ም. ጀሚሩ ብ15 ሚእታዊት ዝዛየደ ክኸውን እንከሎ፡ እተን ኣብ ቱርኪ ዝመደበረን ሰለስተ ትካላት፡ ከም ኣፍራይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ባይካር፡ መሸጣአን ብ24 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ፥

እስያ

ኣብ እስያ እውን ስክፍታታት ጸጥታ ታይዋንን ዶባዊ ግጭት ህንድን ቻይናን ኣብ ወፍርታት ምክልኻል ዕብየት ክህሉ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎን፥ ብፍላይ ኣብ ዕቤት መሸጣ ናይተን ኣርባዕተ ኣፍረይቲ ደቡብ ኮርያ ርኡይ ኮይኑ፡ ኣታዊታተን ብማእከላይ ገምጋም ብ39 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን፡ ሓሙሽተ ትካላት ጃፓን ድማ ብማእከላይ ገምጋም ብ35 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣያ ይሕብር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተደጋጋሚ ጻውዒት ምርጋፍ ኣጽዋር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘይሕለል ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ንኢንዱስትሪ ኣጽዋርን ንመጓሃሃሪ ኲናትን ዝኾነ "መጋበርያ ሞት" ኮኒኖም፡  እቲ ንኣጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንልምዓትን፡ ትምህርትን ንክንክን ጥዕናን ንዝብል ዕላማ ምስ ዝውዕል ጥራይ እዩ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ክጠፍእን ልምዓት ውሕስ ንምግባር ዝከኣልን ከም ዝበሉን፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ብራዚል ንጉጅለ G – 20 ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣጽዋር፡ ስስዐን ዘይምዕሩይነትን ጠንቂ ጥሜትን ድኽነትን እንክብሉ ንግድ ኣጽዋርን ስስዐን ዘይምዕሩይነትን ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

04 December 2024, 16:36