ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ ኣካየድቲ ራድዮን ቴለቪዥንን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መበል 93 ሓፈሻዊ ጉባኤ EBU (ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ) ሓሙስ 5 ታሕሳስ ኣብ ሎዛን ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዋዕላ ሚለንዩን ከም ዝኽፈተን ኣብዚ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ፡ ልኡኻት ፈነወታት ህዝባዊ ኣገልግሎት ሬድዮን ቲቪን ኤውሮጳ፡ ካብ 2025 - 2026 ዓ.ም. ናይ ዘገልግል ፈጻሚ ኣካል ትሽዓተ ኣባላት ምምራጽ ሓዊሱ ኣብ ቀድሚ ጉዳያት ምሕደራ ይዝትይ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ተበግሶ፡ ኣብ ቅድሚ ተልእኾኦም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ፖለቲካውን ካልእን ጸቕጢ፡ ርእሰ - ምሕደራ ህዝባዊ መራኸቢ ብዙሃን ንምሕላው ዝዓለመ ምዃኑ ብምምልካት፥ እዚ ናይ ሎዛን ፍጻመ ምስቲ ዕለት 6 ታሕሳስ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብሰፊሕ ከም ዝዘተየን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዋዕላ ካብ 44 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 400 ሰባት ይሳተፉ ከም ዘለዉን መስራቲት ኣባል ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ ዝኾነ ራድዮ ቫቲካን ወኪሉ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ዜና ቫቲካን ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ኣሌሳንድሮ ጂሶቲ ይሳተፍ ከም ዘሎን ተሳትፎ ፈነወ ቫቲካን ኣብ መንጎ ባህላዊ መራኸቢ ብዙሃንን ምህዞታት ዕደ ጥበብ ኣብ ኣህጉራዊ ኵነታት ምትሕብባር ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ እዚ ቍዉም ሓሳብ እዚ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት እቲ ዓውደ ጉባኤ ምጅማሩ ከም ኢዮቤል ዝኣመሰለ ዓቢ ዓለማዊ ፍጻመ፡ ኣቓልቦ ኩሎም ዓበይቲ መርበባት ንምስሓብ ዝኣመተ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ፡ ኣብ ጀነቭ ዝመደበሩ፡ ኣብ 56 ሃገራት ዝርከባ 112 ህዝባዊ ፈነወታት ምስ 31 ተሓባበርቲ መሻርኽቲ ዘራኽብ፡ ዝመርሕ ማሕበር መራኸቢ ብዙሃን ህዝባዊ ኣገልግሎት እዩ።
እዚ ኣብ 1950 ዓ.ም. ዝተመስረተ ትካል፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ምትሕብባር ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ምድጋፍ ምፍራይን ምዝርጋሕን ልዑል ዓይነታዊ ትሕዝቶን ኣብ ጽላት ፈነወ እደ ጥበባዊ ተረኽቦ ኣብ ምምዕባልን ዘተኮረ እዩ።