ሞት ኣብ ኲናት ቓዛ ልዕሊ 44 ሽሕ፡ ካብኣቶም እቶም ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት እዮም! ሞት ኣብ ኲናት ቓዛ ልዕሊ 44 ሽሕ፡ ካብኣቶም እቶም ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት እዮም!  (ANSA)

ሞት ኣብ ኲናት ቓዛ ልዕሊ 44 ሽሕ፡ ካብኣቶም እቶም ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት እዮም!

ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 44 ሽሕን 300 ከምዝኾነን ካብቶም ግዳያት ሰብዓ ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም። ነዚ ዝበለ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ ሲዶቲ፡ ኣብቲ ግጭት እንታይ ዓይነት ገበናዊ ሓላፍነት ክህሉ ከምዝኽእል ንምፍላጥ ዝካየድ ዘሎ ዕዮ መርማሪ ሽማግለ ስራሕ ኣመልኪቱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ብዘጋጠመ ዓመጽ ዝሞቱ ዕዕሊ 44 ሽሕ ኮይኑ ካብዚኦም ሰብዓ ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም። ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት ካብኣቶም፡ ኣስታት 800 ዝኾኑ ድማ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ እስራኤም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1700 እስራኤላውያንን ወጻእተይናታት ዜጋታትን ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 100 እስራኤላውያን ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ።

ብመሰረት ኣውስትራልያዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ ሲዶቲ፡ "ብዝሒ ዝሞቱ ህጻናት ኣብዚ ክፍለ ዘመን ካብ ዝኾነ ግጭት ንላዕሊ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ'ዩ" ብጀካ እቶም ብዙሓት ህጻናት "ብሞት ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደሓጎታትን፡ ዕንወት መሓራትን፡ ዘሕዝን ተመኩሮታት፡ ዝመዛበሉን . . . ካብ ዝኾነ ዘመናዊ ውግእ ዘጋጠሞ ንላዕሊ ንብዝሒ ህጻናት ዝጸሉ ኵናት እዩ"

ሲዶቲ ኣህጉራዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን እስራኤልን ሓዊሱ ኣብ ዝተጎበጠ መሬት ፍልስጤም ዝምልከት ናጻ ኣህጉራዊ መርማሪ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራትን እዩ። ኣብዚ ዓውዲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ምስ ሚያንማር ዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ሽማግለ ሓዊሱ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝምልከት መዳይ ኣበርክቶ ዘለዎ እዩ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ዓመጻ እዚ ደው ንምባል ክሕግዘሉ ዝኽእል መገድታት ብምምርማር ከምኡውን ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ብሰላም ንኽነብሩ ውሕስነት ዝህብ ነባሪ ሰላም ንምርካብ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣማእኪሉ እንሕብር፥

ቃለ መሕትት ምስ ኣባል ናጻ ኣህጉራዊ መርማሪ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ፥

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድሕሪ እቲ ዕመት 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ዓመጽ ኣብ ጋዛ ብዛዕባ ኲናት እትሰርሕዎ ስራሕ፡ ብዛዕባ ኣብ መርማሪ ሽማግለ መርመራታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝገበርካዮ ስራሕ ንገረና...

እቲ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጽ ቕድሚ ምጅማሩ ነዊሕ ኣቐዲሙ እቲ መርማሪ ሽማግለ ከም ዝቆመ ሓቢሩ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. እዩ ዝቖመ፣ እዚ ኸኣ ቅድሚ ኽልተ ውግኣት ቓዛ ምዃኑ እዩ፡ ኰይኑ ግና ነዚ ፍጻመታት እዚ ኸም ውልቀ - ሰባት ዚግበር ውግእ ገይረ ኣይሓስቦን እየ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ እዩ ። ኣብ 2021 ዓ.ም. ስለ እተመስረትና ነቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዘጋጠመ ዓመጻ ንምምላስ ኢና ተመስሪትና። ኣብ 2022 ዓ.ም. ካልእ ማዕበል ዓመጻ እውን ነይሩ እዩ ፣ ድሕሪኡ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እዩ። ሓላፍነትና ምምርማርን ጸብጻብ ምሃብን ከምኡውን ተሓታትነት ምትብባዕ ኢዩ። እዚ ኽፋል ተሓታትነት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ከመይሲ ውጽኢት ስራሕና ናብተን ምስ ገበን ውግእን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚፍጸም ገበንን ብዚተሓሓዝ ስልጣን ዚህልወን ኣህጉራውያንንን ሃገራውያንን ኣብያተ ፍርዲ ስለ ዝለኣኽ። ስለዚ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ተሓታትነትን ምስ ኣብያተ ፍርዲ ንኽንተሓባበር ኣብ ዘሎና ሓላፍነታትን ኢና እነተኵር።

ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ጸብጻብ ንህብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት። እተን ክልተ ጸብጻባት ድማ ኣብ ዓመት ወግዓዊ ጸብጻባትና እዩ፡ ካልእ ሰነዳት እውን ነቕርብ ኢና። ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023.ዓ. ም. ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ትኹረት ስራሕና ኣብቲ ኣብታ መዓልትን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ብመንጽር ርኽበታትካ፡ ብዛዕባ ገለ ካብቲ ዝረኸብካዮ ክትነግረና ወይ ከተጉልሕ ትኽእል ዲኻ?

ቅድሚ ፍጻመታት ዕለት 7 ጥቅምቲ እውን እንተኾነ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ኩነታት ንርኢ ስለ ዝነበርና፡ ብፍሉይ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ክንገብር ተገዲድና። ስለዚ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ዘቕረብናዮ ጸብጻብ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጎበጠ መሬት ፍልስጤም ምግባራ መርሚሩ። እቲ ጎበጣ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና። ሓቅታት ኣኪብና ክንምርምሮ ከለና መሰረት ዝገበረ ርኽበትና ንሱ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ንሓፈሻዊ ባይቶ ከም ዘቕረብናዮን ሓፈሻዊ ባይቶ ግን ብዝተኻእለ መጠን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሕጋዊ ትርጉም ክደሊ ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ ብመገዲ ኣማኻሪ ርእይቶ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑን ገሊጽና ኢና። ሓፈሻዊ ጉባኤ ዳርጋ ብኡንብኡ በቲ ለበዋ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ሓበሬታ ከም ዘቕረበን በዚ መሰረት እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ውሳኔኡ ምሃቡን ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብሕጊ ከምቲ ንሕና ዝገበርናዮ ድማ ኣብ መደምደምታ ምብጽሑ ዘገርም ኣይኮነን። ንሱ ድማ እቲ ጎበጣ ዘይሕጋዊ ምንባሩ እዩ። እቶም ሰፈራታት ዘይሕጋውያን እዮም ነይሮም፣ ዘይሕጋውያን እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነቲ ጎበጣ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ከተቋርጾ፡ ምስፋሕ ሰፋሮ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ፡ ነቲ ሰፈራታት ክትለቕቕን ሰፋሮታት ከውጽእን ኣዚዙ እዩ። እዚ ውሳነታት ቤት ፍርዲ ምስቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝገለጽናዮ ርእይቶ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ እዩ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ ኣብ ውሳነኡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ መርማሪ ስራሕና ምጽጋዑ ኣዝዩ ኣሐጒስና እዩ። እዚ ቤት ፍርዲ ንስራሕናን እንህቦ መደምደምታ እውን ብዕቱብ ይምልከቶን ዓቢ ግምት ይህበሉ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምርኣይ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዛዕባ ቀዳማይ ክፋል መርመራታትና ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ ኣቕሪብና ኔርና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕለት 7 ጥቅምትን 8 ጥቅምትን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዘጋጠመ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እተን ዕለታትን . . . ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት። ክሳብ እቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም፡ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ምግባር፡ ኮነ ኢልካ ንሰላማውያን ሰባት ምቕታል፡ ጅሆ ምሓዝ፡ ስቅያትን ግፍዒን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ገበናት ኲናት ፈጺሞም እዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና።

ምስቲ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ፍጻመታት ብምትእስሳር፡ ሓይልታት እስራኤል ብጅምላ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካብ ምፍጻም ዘየትርፎም ስርሒታዊ ሜላታት ጀሚሮም ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና። እዚኦም እቶም ወተሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕትን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተፈጸመ ውግእን ዘተግብሩዎ ወተሃደራዊ ስርሒት ሳዕቤን ናይቲ ዘይተርፍ ፍጹም ጥፍኣት እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብናዮ ጸብጻብ ዝገለጽናዮ፡ ክሳብ 2024 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣረኣእያና ከምኡ እዩ። ገበናት ኲናት፡ ኮነ ኢልካ ንሰላማውያን ዒላማ ምግባር ከም ዝነበረ ኣጻሪና ኢና። ሕጂ’ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ስቅያትን ግፍዒ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ደቂ ተባዕትዮን መንሰያትን ኣብ ቓዛ ብዘይ ፍቓድ ምእሳር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮን ኣወዳትን ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እውን። ስለዚ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብፍላይ ምስ ገበን ምጽናት ከም ተፈጸመ መርትዖታት ከምዘሎ ኣጻሪና ኢና።

ስለዚ፡ ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት ክልቲኡ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዕለት 7ን 8ን ጥቅምቲ ከምኡ’ውን ድሕሪኡ ኣብ ቓዛ፡ ብመሰረት መርመራታትና፡ ምስ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝተኣሳሰር ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ከበድቲ ገበናት ዝብሎም ምዃኑ ብኣጽንዖትን ብዝግባእን ደምዲምናዮ ኢና።

ኣብቲ ዝበዝሐ ጸብጻብ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ዘቕረብናዮ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ሰለስተ ጉዳያት ርኢና ኢና። መጀመርያ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኣብ ቓዛ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ብሓፈሻ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ስርዓተ መዋቕራት ክንክን ጥዕና ኮነ ኢልካ ናይ ምዕናውን ምጥፋእን መደብ ከምዝጀመሩ ኣብ መደምደምታ በጺሕና። ከምኡ’ውን ነዚ መደምደምታ’ዚ ዝበጻሕናዮ፡ ብመሰረት እቲ ዝኣከብናዮ መርትዖታት፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ሕክምና፡ ንቝጣታት ክንክን ጥዕና ማእከላትን ጥዕና፡ ካልኦት ትካላት ክንክን ጥዕና፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብ ማእከላት ሕክምና ዝሰሑ ሰራሕተይናታትን መጓኦዝያ ህሙማንን ዝተፈጸመ ኩለመዳያዊ መጥቃዕቲ እዩ። እቲ ዝበጻሕናዮ መደምደምታ፡ እዚ መጥቃዕትታት ዝተዋደደን ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመን፡ ኣብ ቓዛ ንዘሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ንምጥፋእ ዝተዳለወ ምዃኑን እዩ።

እቲ ካልኣይ ዝረኣናዮ ጉዳይ፡ ኣተሓሕዛ እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ቓዛ እዩ። ሕጂ’ውን እዚ እቶም ነቶም ፍልስጥኤማውያን ጅሆ ዝሓዙ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ገሊኡ ስቅያት፡ ካልእ ዓይነት ግፍዒ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙን እዚ ድማ ገበን ኲናት ምዃኑ ኣረጋጊጽና። ምስቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከላትን ኣብያተ ማእሰርትን እስራኤል ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ቓዛ ብዝተኣሳሰር፡ ንሳቶም እውን ስቅያት፡ ካልእ ዓይነት ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ ከምዝበጽሖምን እዚኦም ድማ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝድርኹ ገበናት ኲናት ምዃኖምን ኣረጋጊጽና።

ስለዚ ሕጂ’ውን ርኽበታትና ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝኸበዱ ገበናት ብዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን ብወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤልን ብመሪሕነት ፖለቲካዊ ሰበስልጣን እስራኤል ይፍጸሙ ከምዘለዉ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና።

ከምኡ'ውን ህጻናት ከመይ ጌሮም ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ኲናት ከም ዝኾኑ እውን ኣረጋጊጽኩም ኣለኹም...

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ተቐቲሎም። ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ሽሕ ዝግመቱ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክኸውን ከም ዝኽል እዩ። ኣብ ቓዛ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ዝተቐትሉ 70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ሰላሳ ሚእታዊት ጥራይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ስለዚ፡ ሰብዓ ሚእታዊ ብሽበራዊ ንጥፈታት ክጥርጠሩ ዘይክእሉ ሰላማውያን ሰባት ኮይኖም፡ ካብቶም ዝተረፉ ሰላሳ ሚእታዊት ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ከም ሰላማውያን ንጹሃት ግዳያት ናይቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ዘውርድዎ ዘለዉ ዓመጽ እውብ ክቑጸሩ ኣለዎም።

ብፍላይ እቲ ብዝሒ ዝሞቱ ህጻናት ከቢድ እዩ። ኣብዚ ክፍለ ዘመን ካብ ዝኾነ ግጭት ንላዕሊ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ሞት ህጻናት ዘመዝገበ ምዃኑ ብሰፊሕ ወተሃደራዊ ተመራመርቲ ይግለጽ። ከምኡ’ውን ብርግጽ፡ ብዝሒ ናይቶም ብሞት ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣባሓጎን ኣደሓጎን፡ ዕንወት መሓውራት፡ ዘሕዝን ተመክሮታት፡ ካብ ገዝኦም ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዝመዛበሉ ዝቖሰሉን ዝተሃስዩን ህጻናት፡ እቶም ኣብ ህጻናት ዘስዕቡ ጽልዋታት ካብቲ ዝኾነ ዘመናዊ ውግእ ዘጋጠሞ ንላዕሊ ንብዝሒ ህጻናት ይጸልዉ ከም ዘለዉ . . . ዝተረጋገጸ እዩ፡

ብጀካ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንሰምዖ ዘለና ግብረ መልስን ሓተታን ካብዚ ዝፍጸም ዘሎ መውጽኢ መንገዲ ትርእዩ ዶ?

ኣዝዩ ንጹር መውጽኢ ኣሎ። መውጽኢ ዘይምህላው ኣይኮነን ንሰላም ዝሓንቕ ዘሎ። ሰላም ንምትግባር ዝኾነ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ዘይምህላው እዩ። እቲ መውጽኢ መገዲ ካብ 1947 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ማለት ቅድሚ 80 ዓመት ኣቢሉ ሕጂ ርኡይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ መውጽኢ መንገዲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሽዑ ስልጣን እንግሊዝን ፍልስጤምን ዝምልከት እዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ውሳኔ 181 ናይ 1947 ዓ.ም. ክልተ ሃገራት፡ ሓንቲ ኣይሁዳዊትን ሓንቲ ፍልስጤማዊትን ጎኒ ንጎኒ ምስ ዝተነጸረ ዶባት ብሰላምን ጸጥታን ብሓባር ክነብራ ዝብል እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ እዋን መራሕቲ እስራኤልን ቀንዲ ጕጅለታት ፍልስጥኤምን ከተዓናቕፉ ጥራሕ እዮም ዝተራእዩ፡ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ሓደ ወገን ወይ እቲ ካልእ ወገን ብዛዕባ ሰፈራን ስፈረቲ ክዛረብ ዝያዳ ድልውነት የርእዩ ከም ዘለዉ እዩ ዝስተውዓል። ኣብ ዝኾነ እዋን ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ብወገን መራሕቲ ክልቲኡ ወገን ዕሙቕ ዝበለ ተወፋይነት፡ ቆራጽነት ኣይተራእየን። እዚ ግጭት እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እዚ ውግእ እዚ ሰራዊት እስራኤል ንሰላማውያን ፍልስጥኤማውያን ዚዕብልለሉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ዚቐትል ንብረት ዜዕንወሉ ከምኡውን መራሕቲ እስራኤል ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ነባሪ ሰፈራታት ምሉእ ብምሉእ ዚጻረር ግጭት ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብባይቶ እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ፡ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ፡ ማለት እቲ ብሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ 1947 ዓ.ም. ዝወሰዶ ኣገባብ፡ ዝነጽግ ውሳነ ብዓቢ ድምጺ ምስ ኣጽደቐ፡ ንጹር ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ዘይንጹር ዘይፍለጥ ወይ እተሓላለኸ መገዲ መውጽኢ ክኽውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዓመጻ በቲ ንፍልስጥኤማውያንን ንእስራኤላውያንን ተቐባልነት ብዘለዎ ስምምዕ ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድሌት ስለ ዘየለ ጥራይ ኢዩ።

ኣብዚ ዋላ ንእሽቶ ተስፋ ዝህበካ ዝረኣኻዮ ነገር ኣሎ ድዩ?

ኣብዚ እዋን እዚ ተስፋ ክገብር ኣዝዩ ይኸብደኒ። ኣብ ቅድሚ ናይ ክልቲኦም ኣዝዮም ጽንፈይናታት መሪሕነት ፍልስጤምን እቶም ኣዝዮም ጽንፈይናታት መሪሕነት እስራኤልን ዝርአ ዘሎ ድርቅና እቲ ዅነታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጸልማት ዝገብሮ ዘሎ እዩ ዚመስል። ከምቲ ዝገለጽክዎ ካብቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት መውጽኢ ኣሎ ። እቲ መውጽኢ ኣጸቢቑ ዚፍለጥን ንጹርን እኳ እንተ ዀነ ብፍላይ ካብ መሪሕነት እስራኤል ፖለቲካዊ ድላይ ከም ዘሎ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይረኸብኩን፣ እዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዓመጻ ንምፍታሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ድላይ ክሳዕ ዘየለ ናብ መገዲ ሰላም ንምስጋር ቈራጽነት ክሳዕ ዘየለ ኸኣ ሰላም ኣይክህሉን ኢዩ እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

02 December 2024, 16:52