ናብ ቃዛ ዝዓለመ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ንኽልተ ወርሒ 'ተዓጊቱ' ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣስታት 75,000 ፍልስጥኤማውያን ምግብን ማይን ኤለክትሪክን ክንክን ጥዕናን ይረኽቡ ከም ዘየለዉ ኢዩ ዝእመን።
እኳ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 26,000 ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ብሰንኪ ዝወረዶም ጕድኣት ብዙሕ ይሳቐዩ ኣለዉ ።
ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ 58 ሚእታዊት ናይቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ቃዛ ዝመርሖ 273 ልኡኻት ሰብኣዊ ናይ ግበረ ሰናይ ኣገልግሎት ናብቲ ከባቢ ከይበጽሑ ተነጺጎምን ጕዕዞኦም ተሰሪዙ ወይ ተዓናቒፉ ይርከብ ኣሎ።
እዚ ኸኣ ነቶም ካብ ማእከል ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ወጻኢ ክኢላታት ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሕሙማት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ህጹጽ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዕዮ ኣጋዲድዎ ይርከብ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይን ዳግመ ህንጸትን ማሕበር ው. ሕ. ሃ. ኣብ ቃዛ ዝኾነ ሲግሪድ ካግ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰላማውያን ሰባት "ኣዝዩ ኣዕናዊ ዅነታት" የጋጥሞም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ።
እቲ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፎ እዳ ባኒ ጥራይ ኣብ ብምሉኡ እቲ ገማግም ጋዛ ይዓዪ ኸም ዘሎ ገለጸ እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ከተማ ቃዛ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ ።
ኣብ ርእሲ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቃዛን ምዕራባዊ ገምገምን ዝርከቡ ሰባት ዘድልዮም ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዛት ንምምላእ እንተ ወሓደ 6.6 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዘድሊ ይግምት ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብመሰረት ትካል ዜና ኤፍ. ኤፍ. ፒ. ከም ዝገለጾ ኣስታት 22 ዝኾኑ ሰባት ድሕሪ እቲ እስራኤል ዝፈነወቶ ደብዳብ ኣየር ኣብ ልዕሊ ከረማ ቤት-ላሂያ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ከም እተቐትሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሆስፒታል ካማል ኣድዋን ነቶም ምዉታት ከም እተቐበለ ገለጸ ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓሳብ ኣይሃበን ዘሎ ።