ቀታሊ ውሕጅ ኣብ ደሴት ኢንዶነዥያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ደሴት ጃቫ ኢንዶነዥያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ብርቱዕ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይን ምድርማስ መሬትን ዘውረዶ ከቢድ ማህሰይት ንቕትላቐቕ ብዙሕ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላን ረድኤት ዝህቡ ኣካላት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዝጠፍኡ ክልተ ሰባት ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡን ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ምንጭታት ኢንዶነዥያ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዝዓነወ ሕብረተሰብ
ኣብ ኣውራጃ ምዕራብ ጃቫ ዝርከባ 172 ቁሸታት ዘዕነወ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ናብቲ መንግስቲ ዘቖሞ ግዚያዊ መዕቆቢ ከብሉ ከም ዝደረኸን ካልኦት 1000 ሰባት ካብቲ ኣዚዩ ብኸቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ካብ ዝተጎድአ ከባቢ ክወጹ ድማ ሰብመዚ መጠንቀቕታ ከም ዘመሓላለፉን እቲ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ብርቱዕ ውሕጅን ንፋስን ምድርማስ መሬትን፥ 31 ድልድላትን 81 ጽርግያታትን ልዕሊ 1300 ኤከር ዝስፍሓቱ ግራውቲ ሩዝን 1170 ኣባይትን እውን ከም ዘባደመ ኣፍሊጡ፥ ተመራመርቲ ዛዕባ ኩነታት ከባቢያዊ ኣየር እታ ግዝኣት፡ ሰለስተ ስርዓታት ትሮፒካዊ ህቦብላ ናብቲ 17 ሽሕ ደሴታት ዝሓቖፈ ዞባ ይቐርብ ከምዘሎ ጸብጺቦም። ብርቱዕ ዝናብን ሰፊሕ ማዕበልን ከምጽኡ ምዃኑ ዘሎ ስግዓት ሓቢሩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ንኻልእ ክፋል ኢንዶነዥያ፡ ማለት ኣብ ግዝኣት ሰሜን ሱማትራ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ምድርማስ መሬትን ብርቱዕ ውሕጅ ከም ዘስዓበን 20 ሰባት እውን ከም ዝሞቱ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እታ ደሴት ጠቒሱ የመላኽት።