ድለ

2024.10.09 ርእሰ ብሔር ባይደን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብዝብል ውሳኔ ናይ 37 ፍርዲ ሞት ይስርዙ 2024.10.09 ርእሰ ብሔር ባይደን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብዝብል ውሳኔ ናይ 37 ፍርዲ ሞት ይስርዙ 

ርእሰ ብሔር ባይደን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብዝብል ውሳኔ ናይ 37 ፍርዲ ሞት ይስርዙ

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ "ብደረጃ ፌደራል ኣጠቓቕማ ናይ ሞት ፍርዲ ደው ከነብሎ ኣለና" ዝብል ኣመለኻኽታ ብምግላጽ፡ 37 ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም እሱራት ብዘይ ምሕረት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ውሳኔ ከም ዝሃበን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ባይደን ብስልኪ ዝተራኸቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም ሞት ዝተፈርዱ እሱራት ክጽለይ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን እዚ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰብኣዊ ማሕበራትን ዝድገፍ ጻውዒት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ቅድሚ ምዝዛም ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ዝገበሮ ናይ ምሕረት ተግባር፡ ካብቶም 40 እሱራት ብፌደራል ደረጃ ሞት ዝተፈርዱ 37 እሱራት ብዘይ ተኽእሎ ምሕረት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ውሳኔ ከም ዝሃበን ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ "ነዞም ቀተልቲ እዚኣቶም እዅንኖም ነቶም ግዳያት እሓዝነሎም ከምኡውን ንዅሎም እቶም ክግምቶ ዘይከኣልን ዘይጠፍእ መጒዳእቲ ዝወረዶም ኣባይቲ ስድራ እሓዝነሎም፡ ግናኸ ብሕልናይን ብተመክሮይን እየ ዝምራሕ . . . ኣብ ፈደራላዊ ደረጃ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምጥቃም ከነቋርጽ ከም ዘሎና ካብ ቀደም ኣትሒዘ ዝኣምነሉ ጉዳይ እዩ። እቲ ዝመጽሕ ሓድሽ ምምሕዳር ነቲ ዝሃብክዎ ውሳኔ ክስርዝ ድማ ኣየፍቅድን” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብወግዒ ስልጣኑ ምስ ተረከበ ብደረጃ ፌደራል ዳግማይ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕጽል ከም ዝገብር ቃል እንተኣተወ፡ ነቶም 37 ካብ ሞት ፍርዲ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ባይደን ንዝሃቦ ውሳኔ ክነጽጎ ዘይክእል ከም ዝኾነን ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዕድመ ስልጣሙ ድሕሪ ናይ ኣስታት ዕስራ ዓመት ተቛሪጹ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ዳግማይ ከም ዘጀመሮ እውን የዘኻኽር።

ባይደን ንሞት ዝተፈርዱ 37 እሱራት ፍርዶም ንምቕያር ዝወሰዶ ውሳነ፡ ብግብረ ሽበራን ብጽልኢ ዝተደፋፍአ ጃምላዊ ቅትለትን ዝተፈርዱ ሰለስተ እሱራት ዘጠቓልል ኣይኮነን፤ ከምኡ’ውን እቶም ብደረጃ ግዝኣት ንሞት ዝተፈርዱ ልዕሊ 2200 እሱራት ናይ ሞት ፍርዶም ክሕከኽ ኣብ ምግባር ርእሰ ብሔር ስልጣን የብሉን።

መራሕቲ ሃይማኖት ውሳነ ብሓጎስ ይቕበልዎ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ዝርከብዎም መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብታ ሃገር ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ውሳነ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎን ሊቀ ጳጳሳት ዋሽንግተን ዲሲ ካርዲናል ዊልተን ግሪጎሪ፡ "ርእሰ ብሔር ባይደን ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ንምቕያር ዝወሰዶ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢሎም . . . እቲ ውሳኔ ንህይወት ደቂ ሰባት ዝያዳ ኣኽብሮት ንምሃብ ሓደ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ - ዋላ'ውን ህይወት ናይቶም ከምዚ ዓይነት ስቓይን ቃንዛን ኣብ ህይወት ካልኦት ዘምጽኡ ሰባት እውን እንተኾነ” ቢሎም ኣተሓሒዞም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምስምማዕ፡ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ "ኣንጻር ማሕበራውን ስነ - ምግባራውን ክብሪ ደቂ ሰባት፡ ከምኡ'ውን ንሓለዋ ሕብረተሰብ ዘየድሊ ውሳኔ እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ የዘኻኽሩ፡ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮ እውን ንውሳነ ባይደን ብሓጎስ ተቐቢሎም፥ "ርእሰ ብሔር ባይደን ንሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብዙሓት ካልኦትን ነዚ ንህይወት ደቂ ሰባት ኣኽብሮት ዘርኢ ምልክት ክገብሩ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብምቕባሉ ኣዝየ ሕጉስ እየ።" ገበነይናታት ገና "ኣብ ሕብረተሰብ ሓላፍነት" እኳ እንተሃለዎም [...] ህይወቶም ካብኦም ክምንዛዕ ስልጣን ዘለዎ ማንም ሰብ የልቦን፥ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ኣይኮነን” እንክብሉ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ

ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመዓልቲ ሰላም 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምጥቃም ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ብዙሕ ግዜ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብናይ ፈደራላዊ ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተፈርዶም ዝቕተልሉ መዓልቲ ዝጽበዩ ንዘለዉ እሱራት ጸሎት ክግበረሎም ሓቲቶም፥ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተሰሪዙ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ዓ.ም. ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምፍናዉ ፍርዲ ናይቶም ኣብ ፌደራላውያን ኣባይቲ ማእሰርቲ ሞት ዝተበየኖም ምሕረት ክገብርን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኮይኑ፥

“ሎሚ ንኹልኹም ምእንቲ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሞት ዝተፈርዱ እሱራት ክትጽልዩ ክሓትት ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ” ቢሎም፥ . . .

“ፍርዶም ክስረዝ ወይ ክቕየር ንጸሊ። ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናሓሰብና ካብ ሞት ዘድሕኖም ጸጋ ካብ ጐይታ ንለምን”

ርእሰ ብሔር ባይደን እቲ ዝትክኦም ርእሰ ብሔር ስልጣኑ ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምልቓቑ ምሕረት ናይ ምብግባር ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ እቶም ኣስታት 40 ዝኾኑ ኣብ ፈድራላውያን ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም እሱራት ንምድሓን ጸረ ሞት ፍርዲ ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ዘካይድዎ ጎስጓስ ክስማዕን ምሕረት ክግበረሎም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 December 2024, 16:17