ሱዳን፡ ብርቱዕ ተስፋ ናይቲ ዝተረሰዐ ህዝቢ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስለምንታይ ኢና ንገለ ግርጭታት ካብ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ቀዳምነት እንህበሉን ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝንገርን ንምውጋዱ ጻዕርታት ዝግበርን? ነዚ ብምስሕሓብን ብንግዲ ኣጽዋርን ኣልቦ ስነ ምግባር ዝኾነ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ቁጠባ ሰንደቕ ካብ ምግባር ዝባራዕ ዝተፈላለየ ግጭት ዘስዕቦ ህዝቢ ዝጻወሮ ዘሎ ስቓይ ድምጺ ዘይምሃብን ሱቕታ ምምራጽን መመኽነይታ የብሉን።
ኩሉ ዓይኒ ናብ ሱዳን
ኩሉ ህይወት ማዕረ እንተኾይኑ ንምንታይ ደኣ ኣብ ሱዳን ህይወት ህዝቢ ንምሕላው ዝያዳ ዘይስራሕ? ኣብ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. እቲ ኲናት ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ኣብታ ስሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 12 ሚልዮን ድማ ከም እተመዛበለን ክንነብብ እንኮለና፡ እዚ ዜና ንምንታይ ኣብ ኣርእስታት ዜና ቀድማይ ገጽ ዘይረክብ ምህላዉ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕስራን ሽዱሽተን ሚልዮን ሱዳናውያን ጽዑቕ ጥሜት የጋጥሞም ኣሎ - እዚ ድማ ኣብ ዓለም ዝኸፍአን ዘሰንብድን ቅልውላው ጥሜት ምህላዉ ዘነጽር ቍጽሪ እዩ።
ኲናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ተዘርጊሑ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን ዕጡቕ ሓይልታት ሱዳንን 20 ኣዋርሕ ዘቑጽር ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ዘሰንብድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራባዊ ግዝኣት ዳርፉር ሱዳን፡ ካብ ኣየር ዝፍጸም ደብዳብ ዝያዳ ዘሰክፍ ከም ዝኾነ ሓላፊት CAFOD - ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኣብ ሱዳን ተሌይ ሳድያ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትሕብር።
ኣብ ሱዳን ናይ CAFOD - ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ጨንፈር ሓላፊት ተለይ ሳዲያ እቲ ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት ሓደ ካብቶም ንኣውያት ሱዳናውያን ድምጺ ዝሰምዕ ምዃኑ ሓቢራ፥ “እቲ ውግእ ቀጻልን”፡ ሰፊሕ ምምዝባል ዘስዕብን፡ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት የከላብትን ንሞትን ማህሰይትን ይዳርግን ኣሎ . . . ኩሉ ፈተነታት ሽምግልና ንሰላም ከም ዝፈሸለን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፣ ድሒሩ ድማ ብምስርን ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ሰላም ከምዘይተዓወተ ዘኪራ፡ ስዒቡ “ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ድማ ናይ ሰላም ዘተ ይኹን ንሰላም ዘተባብዕ ዘተ ከም ዘይተራእየ ገሊጻ ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ጉዳይ እዚ ብሱቕታ ዝረአ? ዝብል ሕቶ ተቕርብ።
እቲ ዝሳቐ ህዝቢ
እቲ ናይቲ በቲ ውግእ ንዝተፈላለየ ስቓይ ትቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኸፍአ ናይቲ ከቢድ ኩነታት ጾር ዝሽከሙ ከም ዝኾኑን። “ኣብዚ ቅልውላው ዝበዝሐ ኵለ መዳያዊ ክሳራ ዘጓንፎም ድማ ህጻናት ደቂ ኣስንትዮን እያቶም። ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ወለዶምን ትምህርቶምን መጻኢኦምን ዝስእኑ ኮይኖም ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎን ሓቢራ፥ ኣብ ልዕሊ እተን ካብ ስድራቤተን ተፈልየን ንደቀን ንምእላይ ዝቃለሳ ዘለዋ ኣዴታት ንዝተፈለልየ ዓመጽ ተቓሊዐን ይርከባ፥ መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝኾና እውን ዝሓበረት ሳድያ ኣስዒባ፥ ይኹን እምበር ገለ ደቂ ኣንስትዮ ህዝብን ህጻናትን ንምድጋፍ ዝብገሳ ከምዘለዋን ብዛዕባ ዝወርድ ዓመጽን ዝፍጸሙ ገበናትን ዝሕብራን ኣብ ሓገዝ ዝተዋፈራን ብዙሕት ምህላወን ትገልጽ።
መግብን ሕክምናዊ ሓገዝን
እቲ ኩነታት ጽልምልም ዝበለ እዩ . . . ብርሃን ዘይትርእየሉ፡ ስእነት ተበጻሕነት ክንክን ጥዕናን ጥሜትን ሕማምን ሕርሻዊ ንጥፈታት ምቁራጹን ኣብ መላእ ሱዳን ቀንዲ ጠንቂ ሞት እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ቀለልቲ ሕማማት ዝበሃሉ ምኽንያት ሞት እውን ይኸውን ኣሎ . . . እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንመዓልታዊ ድሌታት ዘማላእ እውን ኣይኮነን . . . ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ኩነታት እዚ ዝቕጽል?
ንስራሕ ዝግበር ጻውዒት
ኣብ ሞንጎ እቲ ልዕሊ ኩሉ ጸገምን ዕንወትን ህዝቢ ሱዳን ተስፋ ዘይሰኣነ ይመስል። ሳድያ፡ ካብቶም ንሓድሕዶም ዝደጋገፉን ጸጋታት ዝካፈሉን ሱዳናውያን ዝመጽእ "ሓይሊ” ኣስተብሂላ እቶም በቲ ውግእ ዝተሃስዩ ግን ከኣ ብቐጥታ ዘይተጸልዉ፡ እቲ ቅልውላው ሓደ መዓልቲ ክውዳእ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጻ፥ “ሱዳናውያን ምሉእ ብምሉእ ንህጹጽ ድሌታቶም ንምምላእን ዳግማይ ንምህናጽን ተስፋ ኣይቆረጹን ይኹን ኣምበር ኣህጉራዊ ደገፍ የድልዮም” . . . CAFOD - ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ምስ ካልኦት ኣብ ባይታ ዘለዋ ናይ ረድኤት ትካላት ብምትሕብባር ንህዝቢ ሱዳን ዝህቦ ደገፍ፡ ኣብቶም ዝተጎድኡ ህዝቢ ሰብኣዊ ክብርን ዕላማን ስምዒት ንምምላስ ይሕግዝ። ሓገዝ ንህላወ ጥራይ ዘይኮነስ ህይወት ምምላስን መጻኢኦም ውሑስ ንምግባርን ምዃኑ ሳድያ ትሕብር።
ንህዝቢ ሱዳን
ስለዚ ንህዝቢ ሱዳን መልእኽቲ ሳድያ ናይ ምድግጋፍን ጽንዓትን እዩ፥ “ምሳኻትኩም ኣብ ሰብኣዊ ጻዕርታትናን ብመንፈሳዊ መዳይን ደው ኢልና ኣሎና. . . እዚ ቅልውላው ክሳብ ዝፍታሕ ንበይንኹም ኣይንሓድገኩምን ምባል የድሊ፡ ቅርበት ምርግጋጽ የድልዮ . . . እዚ እዩ ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ!
ናብ ማሕበረሰብ ዓለም
እቲ ዘገርም ኣጽዋር ምቕራብ ቀሊል መግቢ ምቕራብ ግን ከቢድ ምዃኑ እዩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሕዝቢ ሱዳን ቅርበት ዘርእየሉ እዋኑ ሕጂ እዩ ሽግር ሱዳን ዓለማዊ ጸገም ምዃኑ ብምስትውዓል . . . ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ትርጉም ዘለዎ ተኹሲ ደው ምባልን ፍታሕን ናብ መኣዲ ዘተ ከብጽሖም ከምዝኽእል ንኸስተውዕሉ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ እቲ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ዝያዳ መውጽኢ ዘይብሉ መታን ከይከውን . . .
ኣብዚ ኩሉ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጻ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ጻውዒት ምርጋፍ ኣጽዋር ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ መልእኽቶም ናብ እምነትን ሕልናን ዘለዎም ሰባት ክበጽሕ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጻዕርታት ሰላም ክዋፈሩ የተባብዕ። ነቶም ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ዝሳቐዩ ዘለዉ ምልክት ተወፋይነትን ተስፋን እውን ምዃኑ ተረጋግጽ።
ብሰላም እመን
ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝረኣዩ ግርጭታት ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተጋህደ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ መዓስ እዩ ንቃንዛ ካልኦት ዘይግደሱ ኮይንና ንተርፍ ዝብል ሕቶ ኣቕሪባ ቶኽስን ምቅትታልን ቦምብታት ምድርባይን ከም ንብሩ ናይ ምርኣይ ሓደጋ ከቢቡና ኣሎ፡ ቆልዑ ኣብ ውግኣት ክሞቱን ክህሰዩን ኣዴታት ብጥሜት ክሞታን ህዝቢ ከመዛበልን ልሙድ ይኸውን ኣሎ፡ ሽግር ሱዳን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ናይ ስጉምቲ ጻውዒት ህጹጽ እዩ። ተስፋ ሱዳናውያን ኣይተጸንቀቐን ምስዚ ኩሉ ሕልኽልካት እዚ ሕጂ’ውን ኣብ ሰላም ዝኣምኑ ሰባት ከምዘለዉ የዘኻኽረና ብምባል ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።