ቲቤት፥ ኣብ ናይ ቡድሃውያን ቅድስቲ ከተማ ሽጋጽዘ ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 7 ጥሪ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣብ ጥቓ ሓንቲ ካብተን ቅዱሳት ከተማታት ቲቤትን ባህላዊ መንበር ፓንቸን ላማን ዝኾነት ከተማ ሽጋትዘ ርእደ መሬት ከም ዘጋጠመን ብመሰረት ሰብ መዚ ቻይና፡ እቲ ርእደ መሬት 6.8 ዓቐን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብውሕዱ 126 ሰባት ከምዝሞቱን 188ን ድማ ከም እተሃሰዩን ኣማኢት ኣባይቲ ከምዝዓነወ ክፍለጥ እንከሎ ፥ ማእከል እቲ ርእደ መሬት ኣብታ ምስ ኣኽራናት ሂማላያ እትዳወብን ካብቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ እምባ ዝኾነ እምባ ኤቨረስት ንሰሜን ኣስታት 80 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ቲቤት እትርከብ ገጠራዊ ዞባ ቲንግሪ ምዃኑ ክንገር እንከሎ። ኣብ ጎረቤት ሃገራት ኔፓል፡ ቡታንን ህንድን ዝርከባ ገለ ከተማታት ከይተረፈ ከም እተሰምዐን፡ ዘጋጠመ መጉዳእቲ ከም ዘየለን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ርእደ መሬት ዘጋጥሞ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ሽጋጽዘ፡ ቅድስቲ ከተማ
እቲ ርእደ መሬት ዘጋጠመላ ከተማ ሽጋትዘ፡ ባህላዊ መንበር ፓንቸን ላማ ዝኾነ ቡድሃዊ ገዳም ታሺልሁን ዝርከበላ መንበር ፓንቸን ላማ ክትከውን ኣንከላ፡ ኣብ ቲቤት ብባህሊ መንፈሳዊ ስልጣን ድሕሪ ዳላይ ላማ ካልኣይ መንፈሳዊ መራሒ ዝርከቡላ ኮይና ካብ 1959 ዓ.ም. ኣትሒዛ ብቻይና ካብ እትተሓዝ ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ቡድሃ ቲበት ዳላይ ላማ ከም እተሰዱን ፓንቸን ላማ ግን ኣብኡ ከም ዝተረፈን ዳግማይ ስጋ ዝለበሱ ላማውያት ወይ መንፈሳውያን መራሕቲ ምእማን መለለዪ ናይቲ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ኣብቲ ዞባ ዝማዕበለ ቡድሃዊ ሃይማኖት ቲቤት እዩ። ዳላይ ላማ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣዝዮም ከምዝተሓዘኑ ገሊጾም "ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ጸሎተይ የቕርብ፡ ንኹሎም ዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ እምነ” ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።