ው. ሕ. ሃገራት ኣብ ቓዛ ህይወት ናይቶም ግዳያት ውግእ ውሑስ ንምግባር ዘሳልጦ ጻዕርታት ዘጋጥሞ መተዓናቕፎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ውድብ ሕቡራት ሃግራት ቶም ፍሌትኸር፡ ዋላ እኳ ናብቶም ካብ ውግእ ንዝደሓኑ ሰባት መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ንምብጻሕ ቆራጽነት እንተሃለወ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህይወት ንምድሓን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ይተዓናቐፍ ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ ‘ትርጉም ዘለዎ በርገሳዊ ስርዓት የለን። ሓይልታት እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ናብቲ ቦታ ንኽበጽሓ ዝሕግዝ ዝኾነ ዓይነት ውሕስነት ጸጥታን ደሕንነት ከረጋግጹ ኣይክእሉን ወይ ድሌት የብሎምን” ሰበ ስልጣን እስራኤል፥ ሰራሕተይናታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ‘ዋላ’ውን ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤልን መጥቓዕቲ ክወርዶም እንክሎ ዝህብዎ መግለጽታት ንናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ሰራሕተይናታት ስም ዘጸልም እዩ” እንክብል ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ እስራኤል ንናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓድሽ ንማእከላይ ምብራቕ ወኪል ንኽኾኑ ንዝረቑሕውም ከም ዘይትቐበል ብወግዒ ከም ዝሓበረት ክንገር እንከሎ፡ ማዕከናት ዜና እስራኤል እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሃቪስቶ ምስ ጉተረዝ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ፣ ክልተ ሃገራት ንዝብል ፍታሕ ዝገብሮ ደገፍን ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ እስራኤል ዝሃቦ ነቐፌታዊ መግለጺታትን ምዃኑ ይሕብራ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ፍልስጤም ብ28 ሚእታዊት ክጎድል እንከሎ፡ መጠን ስራሕ ኣልቦነት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 51 ሚእታዊት ክብ ከም ዝበለን ኣብ ራማላሕ ዝርከብ ሚኒስትሪ ቁጠባ፡ ቁጠባ ፍልስጤም ብሰንኪ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸገም የጋጥሞ ኣሎ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።