ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ኩባ ድሕሪ’ቲ ብመንጎይናነት ሃገረ ቫቲካን ዝተበጽሐ ስምምዕ፥ ምፍታሕ እሱራት ምሉእ ብምሉ ኣተግቢራ ኩባ ድሕሪ’ቲ ብመንጎይናነት ሃገረ ቫቲካን ዝተበጽሐ ስምምዕ፥ ምፍታሕ እሱራት ምሉእ ብምሉ ኣተግቢራ  (AFP or licensors)

ኩባ ድሕሪ’ቲ ብመንጎይናነት ሃገረ ቫቲካን ዝተበጽሐ ስምምዕ፥ ምፍታሕ እሱራት ምሉእ ብምሉ ኣተግቢራ

ኩባ ብሽምግልና ቅድስቲ መንበር ዝተገብረን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት ኣዋርሕ ስልጣኑ ዝተገብረ ስምምዕ ምፍታሕ እሱራት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግበረት ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጆ ባይደን ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ተግባራቱ፣ ከምኡውን ድሕሪ እቲ ብሞንጎይናነት ቫቲካን ምስ መንግስቲ ኩባ ዝተበጽሐ ውዕል መሰረት፣ ዕለት 14 ጥሪ ንኩባ ኻብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸሊም ዝርዝር ግብረ ሽበራውያን ሃገራት ክትስርዝን መንግስቲ ኩባ ድማ 553 እሱራት ካብ ማሕቡስ ናጻ ክለቕቕን ዝብል ውዕል ከም ዘኽበረቶ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኩባ ጠቒሱ የመላኽት።  

ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ኣብታ ደሴት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተኻየደ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ስዒቡ ዝተሓሰሩ ኣድመይናናት ክትፈትሕ ካብ ነዊሕ እዋን ክደፍኡሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ድሕሪ ናይ ፊደል ካስትሮ ናይ 1959 ዓ.ም. ሶውራ እቲ ዝዓበየ ምንባሩ ክንገር እንከሎ፣ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ሚገል ዲያዝ - ካነል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ከም ኣካል ናይቲ ምስ ሃገረ ቫቲካን ዝጸንሐ ጥቡቕን ወሓዝን ዝምድና፣ ብመንፈስ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘቕርብዎ ጻውዒት መሰረት ዝገበረ ምፍታሕ እሱራት ክህሉ ምዃኑ ንቕዱስነቶም ሓቢሮሞም ከም ዝነበሩ እንከመላኽቱ፣ ዶናልድ ትራምፕ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸሙ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ጥራይ እቲ ስምምዕ ዝተሰረዘ እውን እተኾነ፣ ኩባ ምስ ሃገረ ቫቲካብ ብዝኣተወቶ ውዕል መሰረት እሱራት በብእዋኑ ካብ ምፍታሕ ኣይቦኸረትን።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ምጅማር ቅዱስ ዓመት ቀስ ብቐስ ምፍታሕ እሱራት ኩባ . . . ምልክት ዓቢ ተስፋ“ ብምባል፣ ብመንፈስ ኢዮቤል ካብ መንግስታት ተወሳኺ "ናይ ምሕረት ምልክት" ክርአ ድማ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ምኽትል ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኩባ ዕለት 10 መጋቢት ኣጋምሸት ኣብ ናይ መግንስቲ መደብር ተለቪን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መስርሕ ናጻ ምልቃቕ እሱራት ብዓወት ምዝዛሙ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኩባ ጠቒሱ ይሕብር።

ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፣ ካብቶም ዝተፈትሑ ሓደ ናይ ቀለስቲ ምንቅስቓሳት መራሒ ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ይኹን እምበር ክልተ ተቓወምቲ ስነ ጥበባውያንን ሓደ ሙዚቀይናን ሓባራዊ ደራስን ናይቲ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት መዛሙር፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዙሓት ካብቶም ዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘይኮኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዛት፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣስታት 500 ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ዝተሳተፉ ከም እተፈርዱን ገሊኣቶም ካብኣቶም እውን ክሳብ 25 ዓመት ዝተፈርዶም ምንባሮም ይፍለጥ።

12 Mar 2025, 17:05
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930