ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Migranti: ONG soccorre gommone, sbarcati in 47 a Lampedusa Migranti: ONG soccorre gommone, sbarcati in 47 a Lampedusa  (ANSA)

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኦም

ኣብ ጥቃ ኢጣሊያዊት ደሴት ላምፓዱሳ፣ ሓንቲ ናይ ስደተይናት ጃልባ ብምርሓላ፣ ኣስታት 40 ስደተይናታት ከም ዝጠፍኡ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለው። ኢጣልያውያን ናይ ሕይወት ድሕን መራኽብ ድማ ሽዱሽተ ሬሳታት ረኺበን ኣለዋ፣ ነቶም ዝተረፉ ስደተይናታት ኣብ ምድላይ ድማ ተዋፊረን ይከባ ኣለዋ።

ኣባ ተወልደ ምብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ኢጣልያውያን ሓለውቲ ጸጥታ ገማግም ባሕሪ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ፣ ነቲ ዕዮ ኣጸጋሚ እኳ እንተገበሮ፣ ናይ ሕይወት ኣድሕን መራኽብ ኢጣልያ  ብወተሃደራትን ኣኽበርቲ ጸጥታን ተሰንዮም፣ እታ መርከብ ስደተይናታት ድሕሪ ምግጣላ ሕይወት ንምድሓን ይጓየዩ ኣለው ክብል ሓቢሩ።

ገለ ካብቶም ብሕይወት ዝተረፉ ሰባት ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብታ መርከብ ኣስታት 56 ሰባት ካብ ካመሩን፣ ካብ ኣይቮሪ፡ ኮስት፡ ጊኒ ከምኡ ውን ካብ ማሊ ከም ዝነበሩን፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ወደብ ሳፋክስ ቱኒዝያ ከም ዝነቐሉን ውን ይሕብሩ። ብዙሕ ከይተጓዕዙ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት  እታ ጃልባ'ኦም ከም እተሰብረቶም ውን ይምስክሩ።

ዝሓልፈ ሰሉስ እቶም ሓለውቲ ገማግም ኢጣልያ ካብታ ኣብ ጭንቂ ዘላ ናይ ጎማ ጃልባ መልእኽቲ ምስ በጽሖም፣ ንገለ 10 ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ድሕሪ ምድሓን፣ ናብ ሓንቲ ካልእ ክትጥሕል ቀሪባ ዝነበረት ጃልባ ንምድሓን ከዱ።

ላምፔዱሳ - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጀመርታ ፍዜ ሓዋርያት ምብጻሕ ዝገበሩላ

ላምፔዱሳ እታ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑላ ናይ መጀመርታ ወደብ ወደብ ድሕነት ኢያ። ላምፔዱሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2013 ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ገና ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቶም፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ላምፔዱሳ ብምቕናዕ፣ ነቶም ካብ ግጭትን ድኽነትን ዚሃድሙ ሰባት ዑቝባን ኣኽብሮትን ኪወሃቦም ጻውዒት ኣቕረቡ። እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመት ሓደ ኻብቲ እምኒ መኣዝን ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቅዱስነቶም ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ብሕሪ ዝጠፍኡ ስደተይናት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻባት፣ ካብ 2014 ክሳዕ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 31,500 ሰባት ካብዚኣቶም እንተ ወሓደ 1,300 ቈልዑን ህጻናትን ኣብዚ ሓደገኛ መሰጋጋሪ ማእከላ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ይግመት። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከም ዝገልጾ ብዙሓት ገና ከይተፈልጡ ስለዝጠፍኡ ዘለዉ፣ ቍጽሪ ምውታት ስደተይናታት ማእከላይ ባሕሪ ካብዚ ንላዕሊ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝግመት።

ፖሊሲ ስደተኛታት ኢጣልያ

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢጣልያ ኸም ዝገለጾ ድማ፣ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 66,600 ዝዀኑ ስደተኛታት ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከም እተሳገሩ ኣመልኪቱ፣ ካብቲ ብ2023 ዝነበረ ኣሃዝ ድማ እዚ ትሕቲ ፍርቂ ኢዩ ዝኸውን ይብል። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድማ ኣስታት 9,000 ኣብ ገማግም ኢጣልያ በጺሖም ኣለዉ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ4 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

እቲ የማናዊ ኣቕዋም ፖለቲካ ዝኽተል መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ፍልሰት እዚ ንምዕጋት ምስተን ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዚርከባ ሃገራት ቍጠባዊ ውዕላት ንኺግበር ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።  ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብዙሓት ስደተኛታት ናብቲ ስቓይን ግፍዕን ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ማእከላት ስደተይናታትን ኣባይቲ ማእሰርትን ከም ዝምለሱ ይገብር ኣሎ።

ጻውዒት 'ኣድሕን ህጻናት'

ኣመሓዳሪት ትካል ግብረ - ሰናይ ኣድሕን ሕጻናት  ዝዀነት ጆርጅያ ደኤሪኮ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ብሓዘን ከምዚ ክትብል ትገልጽ - "ፖለቲካውያን መራኸቢ ብዙሓንን ኣቓልቦኦም ኣብቲ ብዛዕባ ደግመ ምሕዳስ ኣውሮጳ ዝወጸ ሓድሽ እማመ ዘተኰሩ እኳ እንተዀኑ፣ ኣብ ባሕሪ ግን ካልእ ክውገድ ዘይከኣል ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጢሙ ኣሎ። ነዚ ሞት እዚ ኽንለምዶ ኣይንኽእልን ኢና" ውን በለት።

ወሲኻ ድማ ከምዚ በለት - "ህይወት ሰባት ንምድሓን እተወሃሃደን እተወደበን ኣገባብ ምንዳይን ኣኽበርቲ ጸጥታ ባሕሪ ክቐውምን ጻውዒት ኣቕረበት፣ እዚ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ስርዓታት ተሰማሚዑ ስጕምቲ ብምውሳድን ነቲ መሰረታዊ ዋጋ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነ ሓድነት ብምግንዛብን ኢዩ። ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ስሩዕን ድሕንነት ዘለዎን መትረባት ኪኽፈት እውን ንምሕጸን" ክትብል ምሕጽንታአ ኣቕሪባ።

20 Mar 2025, 15:00
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031