ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ጸሎተ ንዋም ብቋንቋ ላቲን
መርሓ ግብሪ ፈነወ
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም 

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝሞቱ ክንገር እንከሎ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብኸምዚ ዓይነት ዘሰቅቕ ተግባር ይኹለፍ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ከባቢታት ዒላማ ገይረን ልዕሊ 30 ደብዳብ ከም ዘካየዳን ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም በርገሳውያንን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 330 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ከም ዝቖሰሉን ክሕብር እንከሎ፣ ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ዘዕቁቡ ቴንዳታት ብምዕናዉ ነቲ ገና ዘይተፈትሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘጋደዶን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ብብዝሑ ዝሓመሙን ዝተሃሰዩን ዘዕለቕላ ዘለዋ ኣባይቲ ሕክምና ዘለወን ኣገደስቲ ቀረብ ሕክምና ድማ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብ መዚ እስራኤል ኣብ ቓዛ "ዘይተለምደ ንጥፈታት" የረአ ኣሎ ዝብል ምኽንያት ብምግባር፣ ኣብ ቓዛ ነቲ ደብዳብ ከም ዝፈጸመት ክትሕብር እንኮላ፣ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝን ነቲ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ግቡእ ምንባሩ እንክገልጹ፣ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ክሳብ ዝፍታሑ ክቕጽል ምዃኑ ቃል ከም ዝኣተዉን ካትዝ፣ "ኩሉ ዕላማ ናይቲ ኲናት ክሳብ ዝዕወት ውግእ ኣይነቋርጽን ኢና" ይብል።

ከም መልሲ ናይዚ ድማ ሓማስ ነቲ ዝተፈጸነ ደብዳብ ብምኹናን ንውሳነ ናታንያሁ "ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናይ ሞት ፍርዲ እዩ" እንክብል ክገልጾ እንከሎ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ፣ መራሒ እስራኤል ነቲ ኲናት ህዝባዊ ኣርኣእያ ካብቲ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምስጋል ዝጥቀመሉ እዩ ክብል ከሲሱ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ባዕላ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጥዐ ነዳዲ ትውስኸሉ ኣላ ከም ዝበለ ናይቲ ከብቢ ምንጭታት ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንኣዝማድ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዝውክል ዝዓበየ ጉጅለ እስራኤል ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፣ እቲ ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ብምቕራብ፣ ነታንያሁ ነቶም ኣባላት ኣባይቲ ስድራና "ምቕታል ከቋርጽ" ይሓቱ ከም ዘለዉን፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምዝታይ ምስ መራሔ መንግስቲ ህጹጽ ርክብ ክግበር ከም ዝጠለቡ ኣፍሊጡ፣

ብመሰረት እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ቓዛ፣ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ቁጽሪ ዝሞቱ ፍልስጥኤማውያን 45 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንእስራኤል ዝህቦ ነቕ ዘይብል ደገፍ ኣብ ዘረጋግጸሎ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ንሕክምና ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ደጊሞም፡ ዕሽነት ኲናት የጉልሑ።

19 Mar 2025, 17:08
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031