ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Finale: Allegro Moderato
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ርእደ መሬት ዘጋጠማ ሚያንማር ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት ርእደ መሬት ዘጋጠማ ሚያንማር ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት  (AFP or licensors)

ርእደ መሬት ዘጋጠማ ሚያንማር ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት

ዝሓለፈ ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ሚያንማር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ልዕሊ 2,700 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 4,500 ድማ ከም ዝቖሰሉን ካልኦት ብኣማኢት ዝቖጸሩ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ምያንማር ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብ መዚ ሚያንማር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 2,700 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጾም፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብቐጻሊ ክውስኽ እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ እውን ሓቢሮም፣ በቲ ኣብ ጥቓ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ማንዳላይ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 4,500 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 440 ሰባት ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ሚያንማር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት ማርኮልዊጂ ኮርሲ፣ ድሕሪ ርእደ መሬት ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ገሉጹ፣ ሕጽረት መዕቆብን፣ ጽሩይ ማይን፣ መድሃኒትን ከም ዘሎ እውን ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ነዚ ስክፍታታት ኣቃሊሑ፣ ሓደ ሰራሕተይና ናይቲ ትካል፣ “ሰባት በቲ ርእደ መሬት ኣዚዮም ዝተሳቐዩን ብርቱዕ ስንባደ ዘጋጠሞም ኩሎም፣ ድሕሪ ርእደ መሬት ኣብ ደገ ኣብ ጎደናታት ወይ ኣብ ቅሉዕ ጎልጎል ክጸንሑ ዝመርጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ንጻዕርታት ረድኤት የተዓናቕፍ ምህላዉ ትካላት ረድኤት ክሕብራ እንከለዋ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ዓለም ሓቆፍ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓመጽቲ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ሓገዝ ንምቕራብ ካብ ማእከላይ መግንስቲ ፍቃድ ምሓታት የድሊ፣” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ምያንማር ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣምነስት ኢንተርናሽናል - ዓለም ሓቆፍ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ጆ ፍሪማን፡ “ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር፡ እቶም ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢታት ሓገዝ ምኽልካል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝኽተሎ ኣገባብ እዩ - ቢሉ - መንግስቲ “ብቕልጡፍ ንኹለን ሰብኣዊ ትካላት ብዘይ ዕንቅፋት ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ ክበጽሓ ክፈቅድን ንገምጋማት ድሌታት ዘደናጉዩ ምምሕዳራዊ ዕንቅፋታት ከወግድን ኣለዎ” እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Apr 2025, 16:03
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031