ርእደ መሬት ዘጋጠማ ሚያንማር ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰብ መዚ ሚያንማር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 2,700 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጾም፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብቐጻሊ ክውስኽ እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ እውን ሓቢሮም፣ በቲ ኣብ ጥቓ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ማንዳላይ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 4,500 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 440 ሰባት ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ሚያንማር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት ማርኮልዊጂ ኮርሲ፣ ድሕሪ ርእደ መሬት ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ገሉጹ፣ ሕጽረት መዕቆብን፣ ጽሩይ ማይን፣ መድሃኒትን ከም ዘሎ እውን ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ነዚ ስክፍታታት ኣቃሊሑ፣ ሓደ ሰራሕተይና ናይቲ ትካል፣ “ሰባት በቲ ርእደ መሬት ኣዚዮም ዝተሳቐዩን ብርቱዕ ስንባደ ዘጋጠሞም ኩሎም፣ ድሕሪ ርእደ መሬት ኣብ ደገ ኣብ ጎደናታት ወይ ኣብ ቅሉዕ ጎልጎል ክጸንሑ ዝመርጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ንጻዕርታት ረድኤት የተዓናቕፍ ምህላዉ ትካላት ረድኤት ክሕብራ እንከለዋ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ዓለም ሓቆፍ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓመጽቲ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ሓገዝ ንምቕራብ ካብ ማእከላይ መግንስቲ ፍቃድ ምሓታት የድሊ፣” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ምያንማር ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣምነስት ኢንተርናሽናል - ዓለም ሓቆፍ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ጆ ፍሪማን፡ “ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር፡ እቶም ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢታት ሓገዝ ምኽልካል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝኽተሎ ኣገባብ እዩ - ቢሉ - መንግስቲ “ብቕልጡፍ ንኹለን ሰብኣዊ ትካላት ብዘይ ዕንቅፋት ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ ክበጽሓ ክፈቅድን ንገምጋማት ድሌታት ዘደናጉዩ ምምሕዳራዊ ዕንቅፋታት ከወግድን ኣለዎ” እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።