ር. ሊ. ጳ. ፦ ንጐይታ ምስማዕ ንልብናን ንህይወትናን የብርሆ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተራኽቡ ምእመናን ድምጺ እቲ ንገዛእ ርእሱ ኣገልጋሊ ዅሉ ዝገበረን ኣብ ህይወትና ተስፋን ብርሃንን ዘምጽአን ንጉስ ኣድማስ ንዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰምዑ ኣተባብዕዎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብዛ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ዝከረላ ሰንበት ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ (Jn 18 33-37) ዚርከብ ንንግስነት ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ህይወትና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ዚጽውዓና ክፍሊ ወንጌል ኣስተንተነ።
እቲ ክፍሊ ወንጌል ድማ ንኢየሱስ ከምቲ ንሞት ኪፍረድ ንጲላጦስ ጴጤናዊ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ዚገልጽ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ሓጺር ኣስተንትኖ "ብፍላይ ክልተ ቓላት ትርጉመን ክቕየርን ሓድሽ ትርጕም ክህዛን ከም እተረኽባ ገለጹ፣ እዚኣተን ኸኣ እታ 'ንጉስ' ከምኡውን 'ዓለም' ዝብላ ቓላት ኢየን።"
ጲላጦስ ከም ብዓል ስልጣን ናይ ሓደ ግዝኣት ኮይኑ "ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንሰብ ዜስግእ እንተ ደአ ዀይኑ ኺርዳእ ይደሊ ነበረ፣ ከመይሲ ንጉስ ንዅሎም ተገዛእቱ ዚገዝእ ስልጣን እዩ ዜመልክት" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ኢየሱስ ንጉስ ምዃኑ እኳ እንተ ኣረጋጊጹ እወ እንተበለ፣ ብፍልይ ዝበለ መገዲ እዩ ዝነበረ" በሉ።
ኢየሱስ ንጉስ እዩ
ቅዱስ ኣቦና "ኢየሱስ ምስክር ስለ ዝዀነ ንጉስ እዩ፣ ሓቂ ዚዛረብ ንሱ እዩ " በሉ ፣ "እቲ ንጉሳዊ ሓይሊ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቓል፣ ኣብቲ ንዓለም ዝቕይራ ናይ ሓቅን ውጽኢታውን ቃሉ እዩ ዚርከብ " ድማ በሉ ።
"ኢየሱስ ምስክር ስለ ዝኾነ ንጉስ ኢዩ፣ ንሱ እቲ ሓቂ ዚዛረብ እዩ እሞ ንጉስ እዩ።"
መንግስቱ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን
ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ ናይቲ ጲላጦስ ናተይ ዝብሎ ዓለም ማለት ኣብታ "ኣብ ልዕሊ ድኹማት ሃብታማት፣ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዓመጸኛታት፣ ኣብ ልዕሊ ትሑታት ከአ ድልዱላት ዝጐይቱቱላ " ዓለም ከም ዘይኰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ገለጹ።
እቲ ዘሕዝን ግን እዛ ዓለም እዚኣ ምዃና ድማ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።
"ጐይታናን መድሓንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ እዩ መንግስቱ ግና ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። (…) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውሲኾም "ክርስቶስ ጸጋን ሓቅን ብምፍሳስ ናብ ምድሪ ዘምጽኣ መንግስተ ሰማያት እያ" በሉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓራ ኸም ዜውጽኣናን ይቕረ ኸም ዚብለልናን ሰላምን ፍትሕን ከም ዚህበናን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ።
ንጐይታ ጽን ንበሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጲላጦስ ካብ ቀሪቡ እኳ እንተ ተዛረቦ፣ እቲ ዳሕረዋይ ግን ኣብ ካልእ ዓለም ስለ ዝነብር ርሑቕ ከም ዘሎ ኣስተንተኑ ።
ወሲኾም ድማ "ጲላጦስ ንሓቂ ኣብ ቅድሚኡ እኳ እንተ ረኸቦ ርእሱ ግና ኣይከፍተሉን ። ንኢየሱስ ኪሰቕሎን ነቲ ኣብ መስቀል እተንጠልጠለ ጽሑፍ ክጸሓፍ ኣዘዘ፣ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ ዝብል እኳ እንተ ነበረ፣ ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ግና ኣይተረድኦን።
ክርስቶስ ናብ ዓለምና መጸ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ከም ዝመጸ ማለት "ናብዛ ናትና ዓለም" ከም ዝመጸ ከምኡውን "እቲ ወገን ሓቂ ዝኾነ ዘበለ ኩሉ ንድምጹ ይሰምዖ፣ ማለት ድምጺ ናይቲ ዜድሕነና ንጉስ ኣድማስ" ከም ዚሰምዕ ኣዘኻኸሩና።
ንክርስትያን ምእመናን ቃሉ መምርሒኦም እንተ ደአ ዀይኑን ነቲ ወትሩ ይቕረ ዝብለና ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ኣምላኽ ይርእይዎ እንተ ዀይኖምን ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ብምትብባዕ "ንጐይታ ምስማዕ ኣብ ልብናን ህይወትናን ብርሃን የምጽኣልና ኢዩ" በሉ።
"ንመንግስቲ ኣምላኽ ብተስፋ እናተጸበና ምስታ ንጐይታ ተግባረ ኢዱ ዝኾነት ማርያም ሓቢርና ንጸሊ።"