ር.ሊ.ጳ.፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንረብሓታት ዕዳጋ ኢልካ ሰብኣዊ ክብረት ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሕክምና ንሰብኣዊ ክብሪ ሸለል እንተኢሉ ንረብሓ ዕዳጋን ርየት ዓለምን ሓደጋ ይቃላዕ”፣ ስለዚ “ንዝተቐደሰ ክብሪ ህይወት፣ ኣብ መከራን ሕሰምን ንዝርከብ ህይወት ዘገልግል እዩ ክኸውን ዘለዎ . . . ሓኪም ሕማም ንኽፍውስ እዩ ዝጽዋዕ . . . ዝኾነ ህይወት ክድርበ የብሉን" ከምኡ'ውን እቲ ሰብ "ብምልኣት እምበር ሓደ ክፋል ጥራይ ስለ ዘይኮነ ብቕርበትን ርህራሄን ለውሃትን" ክሕብሕብ ከም ዘለዎ ቅዱሰንቶም ነዚ ዝበሉ ዕለት 29 ሕዳር ብምኽንያት መበል 800 ዓመት ቅዋመ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ሃገራ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ 80 ናይቲ መንበረ ጥበብ ክፍሊ ናይ ስነ ሕክምና ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘተሓሳሰቡን
ኣገልግሎት ሕክምና እቲ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ መንፈስ መግለጺ እዩ፤ ስለዚ ብቕርበትን ርህራሄን ሓልዮት ክወሃብ ኣለዎ ማለት እዩ . . .
ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መጋበርያ ሕክምናን ስነ ምግባርን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓኪም "ንየሱስ ኣብ መንጎ ሰባት ኩሉ ዓይነት ሕማማትን ድኻምን ዘሕወየ" ክመስል ከም ዘለዎን ከምኡ’ውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት “ነቶም ዝሳቐዩ ሰናይ ኣገልግሎት እተቕርቡ ተሕጐሱ” ዝብል ጠቒሶም፥ ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ሕክምና'ውን ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ እደ ጥበብ፡ ብዘይ ስነ-ምግባር ፈጺሙ ክኸውን ከምዘይብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥
እንተዘይኮይኑ ነቲ ቅዱስ ክብሪ ሰብ ሸለም ክበሃል እዩ ዝገብር፡ ሕክምና ንረብሓ ዕዳጋን ርእየት ዓለምን ሓደጋ ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ጠቒሶም ድሕሪ ምምልካት ሓኪም ህማም ንምፍዋስ እዩ ዝጽዋኦ ኩሉ ግዜ ዝፍውስ ክኸውን! ዝኾነ ህይወት ክድርበ የብሉን። ኩሉ ግዜ ተጠንቀቑ! ንህሙማን ክሳብ መወዳእታ እተሰንዩ ኩኑ! ቢሎም እዚኦም መትከላት "ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ሰብ ዝውዕል ስነ ምርምር" እያቶም ቢሎም እቲ መበል 800 ዓመት ዘብዕል ዘሎ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ዝህቦ ኣገልግሎት ቀጽሉ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።"