ር. ሊ. ጳ. ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ከፊቶም

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከብ ሓድሽ እተሓላለኸ ቤት ማእሰርቲ ሪቢብያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል 2025 ንእሱራት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ብዕሊ ከፊቶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቲ ኻልኣይ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ክኸፍቶ ደለኹ" ብምባል ዘለዎም መንፈሳዊ ባህጊ ገለጹ። ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እቲ ናይ መጀመርታ ማዕጾ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ተኸፊቱ፣ ካብኡ ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመርታ ግዜ ንቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኸፍቱ ተረኽቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ቅዱስ ኣፍደገ ከፊቶም ምስ እሱራት ዝገብርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ቅዱስ ኣፍደገ ከፊቶም ምስ እሱራት ዝገብርዎ ርክብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ዕለት 26 ታሕሳ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከብ ሓድሽ እተሓላለኸ ቤት ማእሰርቲ ሪቢብያ ምብጻሕ ብምክያድ ነቲ ነዚ ቅዱስ ዓመተ እተወረየ ቅዱስ ኣፍድገ ኣባኡ ምኽፋት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስተንተኑ ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ቤተ-ክርስትያን እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ መፈሳዊ መልእኽቲ ኵሉ ሰብ "ማዕጾ ልቦም ክኸፍሩን ተስፋ ፈጺሙ ከም ዘየሕፍር ክርድኡን ኣጋጣሚ ክረክብ" ከም ዝደልዩ ገለጹ።

ክፉት ኣፍደገን፣ ክፉት ልብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ቅዱስ ኣፍደገ ድሕሪ ምሕላፎም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ እቲ ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱሉ ታሪኻዊ ምኽንያት ብምሕሳብ "ጽቡቕ ምልክት ክፉትነት ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ። እንተዀነ ግን ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ቅዱስ ኣፍደገ ካብ ምኽፋት ንላዕሊ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ እሱራት ልቦም ክኸፍቱ ኣተባብዕዎም ። ሕውነት ክፉት ልቢ ኸም ዘድልዮ ውን ገለጹ ። 

እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ብምኽንያት ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ እንክጽልዩ
እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ብምኽንያት ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ እንክጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ብህይወት ንኸይንነብር ዚዓግተና ዕጹውን ተሪርን ልቢ ውን ኣጠንቀቑ። ዓመተ ኢዮቤል ንተስፋ ልብና "ኽንከፍቶ" ጸጋ ኸም እትህበና ውን ደጋጊሞም ገለጹ። ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋምን ከቢድን እዋን እውን ከይተረፈ ተስፋ ኣየሕፍርን እዩ ውን በሉ።

 

ተስፋ መልህቕ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ንተስፋ ምስቲ ብገመድ እተኣስረ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ዚድርበ መልህቕ ብምምስሳል ውን ኣስተምሃሩ ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ሓድሓደ ግዜ እቲ ገመድ ተሪር ስለ ዝዀነ ነእዳውና ክጐድእ ይከኣል እዩ" በሉ። እንተዀነ ግን ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ወትሩ ኣብ ቅድሜና ገለ ነገር ስለ ዘሎ መልህቕ ተስፋ ንቕድሚት ንኽንስጕም ይገብረና ኢዩ ።

ፍርቍ ዕጹው ጌርኩም ኣይትሕደገዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነፍስወከፍ ሰብ ልቦም ተዓጽዩ ወይ ፍርቂ ዕጹው ምዃኑ ክግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ ውን ገለጹ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ እታ ዝኸፍትዋ ቅድስቲ ኣፍደገ "ምልክት ኣፍ ደገ ልብና" ምዃና ውን ኣዘኻኸርዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ጕጅለ ምእንታኦም ብሓቂ ኸም ዚጽልዩን "ምሳሊያዊ ዘረባ ጥራይ ኣይኰነን" ብምባል ውን ንሳቶም ውን ምእንቲ ቅዱስነቶም ጸሎት ኪግበረሎም ሓተትዎም።

ህያባት ምሃብ

ኣብ መወዳእታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ገለ ኻብቶም እሱራትን ሓለውትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህያባት ኣቕተቡሎም፣ ገለ ኻብዚ ድማ እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰብኡት ካብ ዕንጨይቲ ጃላቡ ስደተይናታ እተሰርሐ ንእሽቶ ቅርጻ ቅዱስ ኣፍደገ ነበረ፣ ገለ ካብ ቤት ማዕሰርቲ ደቲ ኣንስትዮ ረቢብያ ዝኾና ከኣ ዘይቲ ብሽኮቲ ከምኡውን ሰራሚክ ዝሓዘ ሓደ ዘንቢል ኣቅረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ እሱራት ረቢብያ ህያባት እንክለዋወጡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ እሱራት ረቢብያ ህያባት እንክለዋወጡ

ምምሕዳር እቲ ቤት ማእሰርቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ቐደም ናይ ቤት ማእሰርቲ በዓል ስልጣን ዝነበረ ኤልዮ ሉሰንተ ዝስሙ ስነ-ጥበባዊ እተሰናደወ አይቆና ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ኣወፈዩሎም።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብግዲኦም ነቲ ኣጋጣሚ መዘከርታ ዝኸውን ነቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ቡራኬ ብራና ኣፈፈዩሎም።

26 December 2024, 12:38