2024.07.07 Visita Pastorale a Trieste - Santa Messa 2024.07.07 Visita Pastorale a Trieste - Santa Messa  (VATICAN MEDIA Divisione Foto) ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ዓበይቲ ሓሳባት ኣእጋርና ኣምድሪ ኣጽኒዕና ክንረግጽ ኣሎና!

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ፣ ኣብቲ "ሎሰርቫቶረ ሮማኖ " ዝተሰምየ ዕለታዊ ጋዜ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ትሪየስተ ኣብ እተገብረ ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ዘቕረብዎ መደረ ኣጉሊሖም ብምርኣይ መግለጺ ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕልት 07 ሓምለ ኣብ ትሪየስተ ዘቕረብዎ መደረ ነቶም ክኢላታትን ማሕበረሰብን ፖለቲከይናታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ሰባት ዚምልከት ሕቶ ዘቕረቡሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝነበረ።

ፖለቲካ ንዓና እንታይ እዩ ?

ምስዛ ሕቶ እዚኣ እተተሓሓዘ ኻልእ ሕቶታት እውን ኣሎ ፣ ወይ ከኣ ' ዲሞክራሲ እንታይ እዩ ? ' ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከምኡ ውን ንክርስትያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብዚ ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓታትና ዘሎ ቕልውላው’ከ እንታይ ግደ ኣለዎ?

እዚ ናይ ሥነ-ትምህርቲ ሕቶታት ኣይኰነን ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ኢዩ።


ካብቲ ንፖለቲካ ናብ ደረጃ ናይ ስልጣን ውድድር ብምውራድ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዕቝባ እንረኽበሉ መጠኑ ዝሓለፈ ምናባዊ ሓሳብ ጌርና ብምውሳድ፣ ናብ ሕሳባዊ ቐመር ወይ ቅዲ ኽንቅይሮ ከሎና ወይ ከኣ ንዲሞክራስያዊ ሥርዓት ናብ ሓደ ብጌጋ ናይ ካልእ ሰብ ከም ዝዀነ ገይርና እንርእዮ ናይ መምርሒ መጽሓፍ ጌርና ምስ እንቕይሮ እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ካብዚ እንወጸሉ ኣጋጣሚ ይኾኑና ኢዮም ።

ከም ሓቂ ግን ንጐድኒ እናረኣና ተዓዘብቲ ደኣ እምበር ተዋሳእቲ ኸም ዘይኮና ብምምሳል ኣብ መወዳእታኡ ኸም ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኢና እንኸውን፣ ኣእዳውና ምሕጻብ ከኣ ነቲ ኣብ ፖለቲካን ዲሞክራሲን ዘሎ ቕልውላው የጋድዶን ከምኡ ውን ኣብ መወዳእትኡ ንጽሕፍቶና ዘበላሹ ኢዩ ኢዩ ዝኸውን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ መልሲ ግን ካብዚ እተፈልየ ኢዩ - ጭቡጥ ኢዩ ኣብ እዋን ቅልውላው ከኣ ብጭቡጥ ሜላታት ኣይኰነን ዝዛረብ የግዳስ ብውልቀ - ሰባት ኰነ ብደረጃ ህዝቢ ንብሕታውን ሓባራዊን ሕልናና ንኽንምርምር ብድሆ ዝኾነና ሓሳባት ኢዩ ዘድሊ ።

እንታይ ዓይነት ጸወታ ኢና እንጻወት ዘለና?

ፖለቲካን ዲሞክራሲን ንገሊኣቶም (ንኻልኦት — ነቶም ዝመርጹ ዘመሓድሩ ዝጻረሩ ወተሃደራት ከምኡ ውን ናብ ጐደናታት ዝኸዱ) ጥራይ ዘይግደሰሎም እንተድኣ ዀይኑ፣ ንነፍሲ ወከፍና ንህይወትና ምርጫታትና ከምኡ ድምጺ ኣብ እንህበሉ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኵሉ ነገር እተጠናነገ እንተ ደኣ ዀይኑ እንታይ ዓይነት ጸወታ ኢና እንጻወት ዘለና?

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓተትዎ ሕቶታት ናብ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ደው ክንብል ብድሆ ዝኾነና ኢዪ ። እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ጭቡጥ ኩነታትና ኢያቶም ። ልክዕ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝደገምዎ ፖለቲካ እውን ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰባት ብምጥቃስ ዝለዓለ መልክዕ ዘለዎ ግብረ - ሰናይ ኢዩ ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ብጥንቃቐ እተሃንጸ መደባት ውልትውና ክብትንዎ ይርከቡ ኣለዉ ። ኣብዚ ግዜና ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ጥራይ ንፖለቲካዊ ጕዳያት ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣገላልጻ እዮም ዘስዕቡ ። እዚ ድማ ኵሉ ነገራት ዘጠቓልል ተሳትፎ ዝሓትት ምሳሌ ፍቕሪ ኢዩ "ነቶም ምልክታት ሕማም ንምሕካም ዘይኰነስ ነቲ ቐንዲ ጠንቅታቱ ንምፍታሕ ኢዩ ዝጽዕር ። ፖለቲካ ሓላፍነታቱ ንኺስከምን ናብ እተፈላለየ ገጽታኡ ንኺሓልፍን ዜኽእሎ ሓደ ዓይነት ግብረ-ሰናይ እዩ" በሉ።

ግብረ - ሰናይ ንኻልኦት ምፍቃር ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እንታይ ቦታ ኢዩ ዘለዎ ?

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘጕልሕዎ ግብረ - ሰናይ ጭቡጥ ተግባር ኢዩ ። ኵሉ ዚሓቍፍ ከአ እዩ።

በበስማትና ውን ዝፈልጠና እዩ ። ናብ ዝያዳ ዕቤት ደቅሰብ ኣብ እንወስዶ ስጕምቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ክንስከም ዝሓተና ውን ኢዩ ።

ነቲ ሞራላዊ ልምሰትን ናይ ምድርባይ ንጥፈታትን ኣማራጺ ኣብ ምህናጽ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ነቲ ጽልእን ዘይምግዳስን ዜምጽእ ፖለቲካውን ደሞክራስያውን ስርዓታት ዘስዕቦ መንሽሮ ናይ ሓቂ ፈውሲ እዚ ጥራይ እዩ ።

ንነፍሲ ወከፍና እቲ ዅላትና ዘድልየና ንፖለቲካ  ናብ ደረጃ ቝጽሪ ሚእታዊት ከምኡውን ድምር ቍጽርታት ናብ "ጥርሑ ዘሎ ሳጹን" ዘይምውራድ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት ኢዩ ።

ነፍሲ ወከፍና ነቲ ትንቢት መጻኢ ዝኾነ ተስፋ ብሕብራት ዳግም ብምህናጽን ከምኡ ውን ውጥናትን ዛንታታትን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ  ዝተኣልመ ናይ ምክፋል ጽባቐ ኽንመልስ ኣሎና ።

ፖለቲካ — ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ — "ተሳትፎ " ምዃኑ ኢዩ ። “ንዅሉ ነገራት ምክንኻን ድማ ኢዪ” በሉ። ከም እንዳይ ስድራ ቤተይ ፈተውተይ እና በልካ ምሕሳብ ዘይኰነስ "ንኹሉ ከም ሓደ ንጽል ህዝቢ" ጌሩ ዝሓስብ ኢዩ። "ፖለቲካ ሕዝብነት ውን ኣይኰነን። ኣይፋሉን ካልእ ነገር እዩ" ድማ በሉ።

ፖለቲካ ተሳትፎን ተሓታቲን ኢዩ፣ ብኣንጻሩ ግና ሕዝብነት ነቲ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ዘሎና ግላዊ ሓላፍነታትና ይስርዞ ኢዩ ።

ኣብይቲ ነገራት ሕሰቡ፣ ዓብዪ ነገር ንምግባር ድማ እጅገኻ ጠቕሊልካ ስራሕ ፣ እዚ ዕዮ እዚ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ፖለቲካ ዚገብርዎ ዕዮ እዩ ።

በእጋር ኣብ ምድሪ ኣጽኒዕና ንርገጽ፣ እንተኾነ ግን ዓበይቲ ሓሳባት ይሃልወና።

ንኽውንነት ክንቅይሮ ኸም እንኽእልን ወትሩ ቐጻሊ ዝዀነ ጕዕዞ ብምግባር ደረጃ ብደረጃ ኽንቅጽል ከም እንኽእልን ስለ እንፈልጥ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ኺህልወና ተጸዊዕና ኢና ። ከምቲ ክቡር ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ዚብልዎ ዝነበሩ፣ ናብታ ሃገር ብምምጻእን ኣበይ ከም ትበጽሕ ብዘይ ምግጋይን ብምውናን ዝመጸ መገዲ ኸይተጋገኻን ኢዩ ዝኸውን ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ሓጐስ ወንጌል እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ - "ሓቀኛ እምነት ወትሩ ንዓለም ንምቕያር ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምሕልላፍ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኻብቲ ዝረኸብናዮ ብዝሓሸ መገዲ ንምሕዳግ ዓሚቝ ባህጊ ምጥራይ ዘጠቓልል ኢዩ።"

ክቡር ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ወይ ናብ ማእከል ዘይኰነስ፣ ናብ ላዕሊ ኽንጥምት ብምዕዳም ነዚ ዅሉ ይትርጉምዎ ። ኣብ ክንዲ በጻሕቲ ሓድሽ ሰብ ካብ ምዃን ጀሚርካ። ከም ጲላጦስ ኣብ ክንዲ ዚመላለሱ ከይተሰከፉ ገዛእ ርእሶም ኪሕልዉን ተጸምዶኦም ኬኽብሩን ዚኽእሉ ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ ። እቶም ኣብ ጐድኒ ግልል ኢሎም ዘይርእዩ ሰባት ፍትሒ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ። ንስምዒት ናብ ጽልኢ ፍትሒ ኸኣ ናብ ጽማቝ ሓሳባት ዘይቅይሮ፣ እቶም ንባህሊ እተጋነነ መግለጺ ዘይስዕቡ መወዳእታኡ ከአ ዘይክሕዱ ስሒራዊ ፍታሕ ኣይሰብኩን፣ ነቲ ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ናይ ግብረ - ሰናይ ሥርዓት ዘይክሕዱን ። እዞም ሰብኡትን ኣንስትን እዚኣቶም ሰማይ ኣብ ምድሪ ኺሃንጹ ኸም ዚኽእሉ ገይሮም ብምሕሳብ ንፖለቲካ ኣብ መንጎ እቶም ዚዕወቱን ዚስዕሩን ዘሎ ግዜያዊ ብድሆ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም፣ የግዳስ ፖለቲካ ዅላትና ኸም እተጸዋዕናሉ መገዲ ገይሮም ብምርኣይ ወትሩ ዝሓሸ ኽንገብር ከም ዘሎና ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።

ኣልዶ ሞሮ መንእሰይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከም ማዕቀን ኰይኑ ናብ ኣእምሮና ይመጸና - "ምናልባት ኵሉ ነገር እናሃለወ ኽነሱ እቲ ስጕምቲ እንወስደሉ ታሪኻዊ ፍልቀት ነቲ ዘድልየና ነገራት ኣየማልኣልናን ይኸውን፣ እቲ ኣብ ብርታዐን ጽባቐን እዚ ሓሳባት እዚ ዚርከብ ዜደንቕ መብጽዓ ኣይዕቀብን ይኸውን ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ሰባት ንሕግን መንግስትን ኬጋጥምዎም እንከለዉ ወትሩ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ ማለት እዩ ።

ስቓዮም ድማ ፈጺሙ ኣይኪጸናናዕን እዩ ። እንተዀነ ግን እዚ ዘይምዕጋብ እዚ፣ እዚ ስቓይ እዚ ምስቲ ሰብ ብህይወቱ ዘለዎ ዘይምዕጋብ ሕደ ኢዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ካብቲ ጽባቐኡ ዝሓስቦ ንላዕሊ ጸቢብን ዘሕዝንን ኢዩ። እቲ ኻብቲ ዚምነዮ ዝነኣሰ ነገራት ብቐጻሊ ዚረክብ እሞ ህይወቱ ኻብቲ ዝሓልሞ ኣዝዩ እተፈልየ ዝዀነ ኮይኑ ከም ዝስምዖ ሰብ በዓል ስቓይ እዩ።

ነቶም ብኸመይ ከም ዚርድእዎ ወይ ብስነ-ጥበብ ብኸመይ ከም ዝገለጽዎ ዚፈልጡ ነፍሳት ኪናዘዙ ኸለዉ ብርታዐ እምነት ወይ ጽባቐ ተፈጥሮ ነቲ ጭንቀት ኬጥፍኦን ሰላም ኪመልስን ከሎ ቍሩብ እውን እንተ ዀነ ዘይሃስስ ስቓይ ኣሎ። ምናልባት ናይ ሰብ ጽሕፍቶ ፍትሒ ምሉእ ብምሉእ ምፍጻም ዘይኰነስ ፍትሒ ንምርካብ ንሓዋሩ ንጥሜትን ጽምእን ምንባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን እዚ ወትሩ ዓቢ ጽሕፍቶ ኢዩ።"

11 July 2024, 15:49