ድለ

2024.07.23 incontro Parolin-Zelensky 2024.07.23 incontro Parolin-Zelensky 

ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገር ዩክረይን ተራኺቦም

ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ቭሎዲምር ዜለንስኪ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ክየቭ ተቐቢሎም፣ ኣብኡ ድማ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበትን ቅድስቲ መንበር "ቕኑዕን ነባርን ሰላም" ንምርካብ ዝገበረቶ ቘራጽነትን ገለጹሉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ዝገበርዎ ርክብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ክየቭ ተዛዘመ። እዚ ድማ ኣብ መንንጐ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ርእሰ ብሔር ቮሎዲመር ዘለንስኪን እተገብረ ዕጽው ኣኼባ ኢዩ ዝነበረ ።

ደድሕሪ እቲ ኣኼባ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ  ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን "ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ቅርበትን፣ ነታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ፍትሕን ነባርን ሰላም ንምርካብ ዝገበርዎ ቘራጽነትን" ከም ዘረጋገጹ ኣፍለጡ።


ዜለንስኪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ድሮ ፍሉይ ልኡኽ ጳጳስ ተቐቢሉ ነይሩ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሊቀጳጳሳት ከተማ ቦሎኛን ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያውያን ንዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ናብታ ብውግእ ዝዓነወት ሃገረ ዮክረይን ከይዶም ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ክራኸቡ ፈቒዶም ነይሮም ኢዮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዜለንስኪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምዝርራብ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዕድል ውን ረኺቡ ኢዩ ። እቲ ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ብዕለት 14 ሰነ 2024 ጐንጐኒ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ እተገብረ ኣኼባ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ 7 ሃገረት ኢዩ ዝነበረ ። ቅድሚኡ ውን ብዕልት 28 ታሕሳስ 2023 ዜለንስኪ ኣብ ገጻት ኤክስ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ልደት ሰላምታ ንምሃብ ዝገበሮ ርክብ ጸብጻብ ከም ዝሃበ ዝዝከር ኢዩ ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝነበሮም ኣትኵሮ ኣብ "ቅኑዕ ሰላም ንዅሉን" ከምኡውን ሃገረ ቫቲካን ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ መደብ ሰላም ዘለዋ ሞሳ ምዃኑ ጸሓፈ።

ቅድሚኡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ እተገብረ ዝርርብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐድም ኣቢሎም ብዕለት 13 ግንቦት ናይዛ ዓመት እዚኣ ንርእሰ ብሔር ዩክረይን ኣብ ቫቲካን ከም ዝተቐበልዎም ዝዝከር ኢዩ፣ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ብ2020 ንመጀመርታ ግዜ ዝገበርዎ ኣኼባ ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ግጭት ካብ ዚባራዕ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ብዕለት 26 ለካቲት 2022 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ - ዜለንስኪ ኣብ ትዊተር መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተሰምዖም ሓዘን ገለጹ ። ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ድማ ብግዴኡ ህዝቢ ዩክረይን መንፈሳዊ ደገፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እተሰምዖም ኣመልከተ ።

ብ22 መጋቢት 2022 ካልእ ብናይ ብመስመር ስልኪ ዝተገብረ ጻውዒት ዝርርብ ኣካየዱ ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዜለንስኪ ኣብ ትዊተር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ "ኣጸጋሚ ሰብኣዊ ኵነታትን ሓይልታት ሩስያ ንሰብኣዊ ኮሪደር ምዕጋሩን" ከም ዝነገሮምን ከምኡውን "እቲ ቅድስቲ መንብር ንስቓይ ደቅሰብ ኣብ ምቅላስ ዘለዎ ማእከላይ ግደ" ሓንጐፋይ ኢሉ ኸም እተቐበሎ ገለጸ።

ድሕሪኡ ብዕልት 12 ነሓሰ 2022 ካልእ ጻውዒት ውም ቀረበ ። ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ገጻት ትዊተር ከም ዝገለጾ እቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ህዝቢ ዜጋትሞ ዘሎ ዜስካሕክሕ ነገራት ዘተኰረ እዩ ዝነበረ። ዜለንስኪ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ስለቲ ጸሎቶምን ደጋፎምን ምስጋናኡ ገለጸሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኪበጽሐዎም ዘለዎም ተስፋ ገለጹሎም ።

ስርዓት ዚግብኦ

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መንጎ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪን እተገብረ ኣኼባ፣ ዘለንስኪ ንብጹዕነቶም Order of Merit ዝተሰምየ ኒሻን ሸለሞም ። ርእሰ ብሔር ዩክረይን ደድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ገጻት ኤክስ እቲ ሽልማት ነቲ ካርዲናል "ኣብ ምዕባለ ክልኤኣዊ ርክባት ዘለዎ ፍሉይ ግደ" ከምኡ ውን "ኣብቲ ዘስካሕክሕ እዋን መጥቃዕቲ ዝገበርዎ ደገፍን" ኣፍልጦ ንምሃብ ምዃኑ ገለጸ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዮክረይን ዘለንስኪ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዮክረይን ዘለንስኪ
24 July 2024, 16:50