ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ጸሎተ ንዋም ብቋንቋ ላቲን
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ብጉጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ኮኒኑ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ብጉጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ኮኒኑ  (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ብጉጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ኮኒኑ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ጕጅለታት ኮኒኑን ነቲ ኣብታ ሃገር ስርዓትን ሕግን ንምውሓስ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ 200 ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ናብታ ብዕንወትን ዓመጽን እትሳቐ ናብ ዘላን ተስፋ ዝቖረጸትን ሃገር ከም ዝተላእኩ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃይቲ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣለልዩ ንምምካትን ንምቅላልን ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ዘይሕለል ጸውዒት ካብ ምቕራብ ከም ዘይቦኸረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነዚ ኣቃልቦ ብምግባር ነቲ ህጹጽ ጻውዒት እታ ሃገር ርኡይ ምላሽ ብምውጣንን ብምውዳብን ከም ዝሓገዘን ኬንያ እውን ዝያዳ ልባዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ 200 ልዑል ስልጠና ዝወሰዱ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ናብ ሃይቲ ከም ዝለኣኸትን እቶም ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ካብ ዕለት 25 ሰነ ኣትሒዞም ኣብ ሃይቲ ከም ዝርከቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።፡

ባይቶ ጸጥታ ንዓመጽ ጕጅለታት ኮኒኑ

ባይቶ ጸጥታ ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃይቲ ስርዓትን ሕግን ንምምላስ ዳግማይ ሰላምን ምርግጋእን ንምርካብን ገና ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ የስተውዕል። ነቲ ብናይ ጎደና ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ዝኹንን ውሳነ ከም ዘመሓላለፈን ክሳብ ሕጂ እቶም ዕጡቓት ናይ ጎደና ጉጅለታት ንመብዛሕትኡ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝቆጻጸሩ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ሃይቲ  ፍትሓውን ነጻን ርእሰ ብሔራዊ ምርጫ ንምምችቻእ ብዝተኻእለ መጠን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ተልእኾኦም ክሳብ  ዝመጽእ ዓመት ዕለት 15 ሓምለ ከም ዘናወሐን እቲ ኩነታት ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጁቬናል ሞይስ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝተለዓዓለ ኮይኑ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ ዳርጋ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ስቓይ ይሽምማ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓድሽ መራሔ መንግስቲ ጋሪ ኮኒል ኣብዚ ናብቶም ኣገደስቲ ዲሞክራስያዊ ምርጫታት ዝመርሕ ዝተሓላለኸን ኣጸጋምን መሪርን መስርሕ ሓይሊ ጸጥታ ኬንያ ኣገዳሲ መስመር ህይወት ምዃኑ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Jul 2024, 15:12
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031